ጂቡቲን ስዑዲ ዓረብን፣ ሓባራዊ ኮሚሽን ጸጥታ ኣቝመን

Radio Erena: 23 December 2019

ጂቡቲን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ጸጥታን ወትሃደራዊ ጉዳያትን ዘተኮረ ምምኽኻር ከምዘካየዳ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ብ18 ን19ን ታሕሳስ፣ ኣብ ሪያድ ዝተኻየደ ፈላሚ ርክብ ሓባራዊ ኮሚሽን ጸጥታ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ክልትኤን ሃገራትን ተሳቲፎም።

ኣብቲ ምምኽኻር ዝተረኽቡ ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ጂቡቲን ስዑዲን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጸጥታዊ ጉዳያት ብሓባር ከስርሖም ዝኽእል ሓያሎ ስምምዓት ከቲሞም።

ቆይሙ ዘሎ ሓባራዊ ኮሚሽን ጸጥታ ክልትኤን ሃገራት፣ ኣብ ሪያድን ጂቡቲን እናተበራረየ ብስሩዕ ክካየድ’ውን ክልቲኦም ወገናት ኣብ መደምደምታ በጺሖም።

ጂቡቲ ምስ ቀጠር ዝነበራ ዝምድና ካብ መፋርቕ 2017 ድሕሪ ምብታኻ፣ ምስ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ወትሃደራዊን ጸጥታን ምትሕግጋዝ ተጸሚዳ ትርከብ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶን ስትራቲጂያዊትን ሃገረ ጂቡቲ፣ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት’ውን ኣብ ጎኒ ስዑዲ ዓረብ ደው ምባላ ብወግዒ ገሊጻ’ያ።

ኣብ ካልእ ወገን፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጽኢ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሪያድ ተዘራሪቡ።

እቲ ልኡኽ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዘምርሐ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ምዝዛም ዘተ ጂቡቲን ስዑዲ ዓረብን’ዩ።

ኤርትራ’ውን ከም ናይ ጅቡቲ ምስ ቀጠር ዝነበራ ዝምድና ብምዝሕታል፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ሕቡራት ኢማራትን ኣቛሚታ ትርከብ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0