ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ዝምድና ሃገሩን ግብጽን ብዝያዳ ንምድልዳል ዝዓለመ ዑደት ናብ ካይሮ የካይድ ኣሎ

Radio Erena: 30 March 2022

መራሒ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ፣ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ንምምይያጥ፣ ሎሚ ረቡዕ 30 መጋቢት ናብ ግብጺ ኣትዩ።

እቲ፣ ብግዝያውነት መሰጋገሪ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ናብ ግብጺ ዘምርሐ፣ ኣንጻር እቲ ንሱ ዝመርሖ፣ ስልጣን ብሒቱ ዝርከብ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ንራብዓይ ወርሑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ግዜ’ዩ።

ንሱ፣ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝጸንሓሉ ክልተ መዓልታት፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይልን ምድልዳል ዝምድና ምስ ግብጺን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት፣ ምስ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ክመያየጥ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኣብ ህሉው ውሽጣዊ ኩነታት ሱዳንን ዶባዊ ምስሕሓብ ምስ ኢትዮጵያን ብዝምልከት ክመያየጡ ትጽቢት ከምዘሎ፣ ዲፕሎማሰኛታት ግብጺ ይጠቕሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሱዳን ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምክያድ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተጀመረ ወትሃደራዊ ዝምድናታት ዝዓምቆሉ ኣጀንዳ ከምዝተመያየጡ ተገሊጹ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0