ጀርመን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፓስፖርት ከውጽኡ ዘገድድ ሕጊ ክስረዝ ዝሓለፈ ውሳኤ፣ ብምልኣት ኣብ ግብሪ ክውዕል’ዩ

Radio Erena: Sunday, 18 June 2023

መንግስቲ ጀርመን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንመገሻን ካልእ ጉዳያት ብዝምልከት፣ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፓስፖርት፣ ምስከር ዕለተ ልደትን ካልእ ሰነዳትን ከውጽኡ ዘገድድ ሕጊ ክስረዝ ንዝሓለፈ ውሳኔ፣ ብምልኣት ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ታዝ ዝተባህለ መርበብ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ውሳኔ፣ ኣብ ጥቅምቲ 2022፣ ብቤት ፍርዲ ፈደራላዊ ምምሕዳር ጀርመን ከምዝተዋህበ ዝሓበረት ታዝ፣ ዛጊት ኣብ ግብሪ ብዘይምውዓሉ፣ ኣብ ጀርመን ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን፣ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ብምዃድ ፓስፖርት ከውጽኡ ምጽንሖም ጠቒሱ።

ብመሰረት ውዕል ጀኔቫ፣ ሓንቲ ሃገር፣ ንሓደ ሰብ ፖለቲካዊ ዑቕባ እንተሂባቶ፣ ናይ መገሻ ሰነድ ከተዳልወሉ ግዴታ ኣለዋ።

ውዕል ጄኔቫ ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ዑቕባ ዝሓተተ ሰብ፣ ናብ ኤምባሲ ሃገሩ ክኣቱን ፓስፖርት ክረክብን እንተዝኽእል ኮይኑ፣ ናይ ዑቕባ መሰሉ ከምዝስረዝ’ዩ ዘመልክት።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ጀርመን፣ ዑቕባ ንዝሃቦም ኤርትራውያን፣ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፓስፖርትን ካልእ ሰነዳትን ከምጽኡ ክሓቶም ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣፍኛ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን፣ መህመት ኣታ፣ እቲ ትግባረ ብስሩዕን ኣብ መላእ ጀርመንን ክካየድ ዘኽእል እማመታት የቕርቡ ምህላዎም ነቲ መርበብ ዜና ኣረጋጊጹ።

እቲ ዓመቱ ቀሪቡ ዘሎ ውሳኔ፣ በዚ ተበጊስዎ ዘሎ መስርሕ እንተቐጺሉ፣ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ኣዋርሕ፣ ኣብ መላእ ፈደሬሽን ጀርመን ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ይግበረሉ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጀርመን ድማ ናይ መገሻ ሰነዳት ወይ ፓስፖርት ንምውጻእ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ካብ ምኻድ ክድሕኑ ‘ዮም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0