ጀርመን፣ ኣባል ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶርያ ዝነበረ ሓታቲ ዑቕባ፣ ኣብ ሃገሩ ብዝፈጸሞ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ልዕሊ 4 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 25 February 2021

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጀርመን፣ ዒያድ ንዝተባህለ፣ ኣባል ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶርያ ንዝነበረ ሓታቲ ዑቕባ፣ ኣብ ሃገሩ ብዝፈጸሞ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ንኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ክእሰር ፈሪድዎ።

እቲ ወዲ 44 ዓመት ሶርያዊ፣ ኣብ 2011፣ ኣንጻር ፕረዚደንት ባሻር ኣል ኣሳድ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ኣብ ከተማ ዱማ፣ 10ታት ሰልፈኛታት ብምእሳር፣ ግዳያት ዝተፈላለየ ስቓይ ብምግባሩ’ዩ ተኸሲሱ።

ኣብ 2012 ድማ ንባዕሉ ካብታ ሃገር ድሕሪ ምህዳሙ፣ ኣብ ቱርኪን ግሪኽን ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 2018 ናብ ጀርመን ብምእታው ዑቕባ ሓቲቱ።

እንተኾነ ኣብ ጀርመን፣ እዚ ኣባል ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ነበር፣ ብዙሕ ስቕያትን ግፍዕታትን ዘውረደሎም ሶርያውያን ስደተኛታት ስለዘላለይዎ፣ ናብ ፖሊስ ጀርመን ጥርዓን ኣቕሪቦም።

ዝቐረበ ክስታት፣ ኣብ ምዕራብ ጀርመን፣ ከተማ ኮብለዝ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ጉዳዩ ክጻረ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብረቡዕ 24 ለካቲት ገበነኛ ምዃኑ ብመርትዕታት ስለዝተረጋገጸ ንልዕሊ 4 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኣባል ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶርያ ነበር ዝተወስደ ናይ ሕግን ፍትሒን መስርሕ፣ ካብ ሶርያ ይኹን ካልኦት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስቓይን ግፍዕታትን ፈጺሞም ንዝሃደሙ፣ ከተረኻኽበሎም ከም ዝከኣል፣ ጽቡቕ ኣብነት ኮይኑ ኣሎ ክብሉ ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0