ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 5 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 11 March 2020

ንሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ዞባ ገዳርፍ፣ ዋዱኩሊ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ መንጎ ወትሃደራውት ሱዳንን ዕጡቓት ኢትዮጵያን ግጭት ከምዝተኻየደ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቲ ሻርቕ ኣል ኣጥባራዊ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት ዝተኻየደ ግጭት፣ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ዕጡቓት ከብቲን ንብረትን ክዘምቱ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከምዝተጎሃሃረ’ዩ ዝግለጽ።

ብወገን ሱዳን ብዝቐረብ ዘሎ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብቲ ግጭት ክልተ ወትሃደራዊ ሱዳንን ሰለስተ ድማ ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ዕጡቓትን ተቐቲሎም።

ካብ ክልትኤም ወገናት ሓያሎ’ውን ቆሲሎም’ዮም።

ንኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዘዳውብ ሰፊሕ ከባቢታት ኣልፋሽጋ ናይ ገዳርፍ፣ ምስ ናይ ሕርሻ መሬት፣ መጋሃጫን ዝምታ ከብትን ዝተተሓሓዘ ተደጋጋሚ እዋናት ግጭት ከምዝጎሃሃር ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0