ድሩት ምንቕስቓስ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ዝፈጠሮ ጸቕጢ፣ ብሕታውያን ትካላት ሰራሕተኛታት ይሰጓ

ድሩት ምንቕስቓስ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ዝፈጠሮ ጸቕጢ፣ ብሕታውያን ትካላት ሰራሕተኛታት ይሰጓ

Radio Erena: 04 March 2016

Asmara Cafe

ድሩት ምንቅስቃስ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ብሕታውያን ትካላት ጸቕጢ ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሓያሎ ትካላት ሰራሕተኛታተን ይሰጓ ምህላወን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ፣ ብፍላይ ከም ኣብያተ መግቢን መስተን፣ ዱኳናትን ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ትካላት፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ዝንቀሳቀስ ባጤራ ንዕዳጋታተን ብከቢድ ጸልዩዎ ብምህላዉ፣ እተን ትካላት ንሰራሕተኛታት እኹል ደሞዝ ክኸፍላ ብዘይምኽኣለን’የን ካብ ስራሕ ዝሰጎኦም ዘለዋ።

ህዝቢ ክቕየር ኢሉ ናብ መንግስቲ ካብ ዘረከቦ ገንዘብ፣ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ባንክ ከውኣጽኦ ዝኽእል መጠን ካብ 3 ሽሕ ክሳብ 5 ሽሕ ናቕፋ ጥራይ ተሓጺርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ መንጎ ምሽጣን ምዕዳግን ምዝንባዕ ፈጢሩ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

 

ድሩት ምንቅስቓስ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ፣ ንዋጋታት መሰረታውያን ሃለኽቲ ነጋራት ብኣስታት ፍርቂ ኣጉዲልዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እንተኾነ እዚ ምጉዳል ዋጋታት፣ ንሕግታት ዕደጋ፣ ጠለብን ቀረብን ዘማዓራረየ ብዘይምዃኑ እናሓደረ ካልእ ናይ ቁጠባ ሳዕቤን ከስዕብ ከምዝኽእል ክኢላታት ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ሓደ ካብቲ ድሮ ክኽሰት ጀሚሩ ዘሎ ጸገማት ከኣ ንኣሽቱ ብሕታውያን ትካላት ብሰንኪ ድሩት ምንቅስቃስ ባጤራ ይዳኸማ ምህላወን’ዩ።

ብሰንኩ’ውን ሰራሕተኛታተን የጉድላን ይሰጓን ምህላወን’ዩ ካብ ኣስመራ ዝተላእከልና ሓበሬታ ዘመልክት።

መንግስቲ ብቸክን፣ ካብ ሕሳብ ናብ ሕሳብ ብዝግበር ናይ ባንክ ምስግጋርን እንተዘይኮኑ ካብ 3ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ጥረ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ከይውዕል ኣጊዱ እኳ እንተሎ፣ እቲ ናይ ቸክን ካብ ሕሳብ ናብ ሕሳብ ዝግበር ናይ ባንክ ምስግጋርን’ውን ብግቡእ ይሰርሓሉ ከምዘየሎ ይጥቐስ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ከኣ ከም መኪናን ገዛን ዝኣመሰላ ንብረት ክሸጡን ክዕድጉን ንዝደልዩ ዜጋታት ከቢድ ጸገም ገጢምዎም ይርከብ።

ንዕረፍትን ካልእ ምኽንያታትን ካብ ወጻኢ ንዝመጹ ኤርትራውያን ግና ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 25 ሽሕ ናቕፋ ካብ ባንክ ከውጽኡ እቲ መንግስቲ ፈቒዱ ኣሎ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0