ድሕሪ ናይ 15 ዓመታት ማእሰርቲ ካብ ካርሸሊ ዘምለጠ ደጀን ኣብ ኤርትራውያን እቲ ዝዓበየ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ

ድሕሪ ናይ 15 ዓመታት ማእሰርቲ ካብ ካርሸሊ ዘምለጠ ደጀን ኣብ ኤርትራውያን እቲ ዝዓበየ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ

Radio Erena: June 04, 2014

Dejen

15 ዓመታት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል፣ ኣብ ሕንምብርቲ ኣስመራ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ድሕሪ ምምላጡ፣ ምስ ሬድዮ ኣሰና ዘካየዶ ሸውዓተ ክፋላት ቃለ መጠይቕ ዝዓበየ መዘራረቢ ዛዕባ ኤርትራውያን ኮይኑ ኣሎ።

ወዲ 23 ዓመት እንከሎ ኣብ 1999 ካብ በረራ ምስ ተመልሰ ብቀጥታ ናብ ቤት ምእሰርቲ ተወሲዱ ን15 ዓመታት ብዘይፍርድን ፍትሕን ኣብ ቤት ምእሰርቲ ክሳቐ ዝጸንሐ ፓይሎት ናይ ሚግ 29 ዝነበረ ደጀን ዓንድሕሸል፣ ካብቲ ብጽኑዕ ተኣሲርሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ብተኣምራታዊ ስርሒት ፈንጢሱ ክወጻእ ምኽኣሉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብዚ ናይ 15 ዓመታት ማእሰርቲ ዘማዕበሎ ኣተሓሳስባን ትብዓትን ካብ ኤርትራውያን ዓቢ ኣድናቖት ረኺቡ።

ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ነዚ ብዘይሕጋዊ ኣገባብን ፍትሕን ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ን15 ዓመታት ተኣሲሩ ክሳቐ ዝጸንሐ ኤርትራዊ መንእሰይ ሞራላውን ገንዘባውን ሓገዝ ኣብ ምብርካት ይርከቡ።

 

ንደጀን ብቐረባ ኣብ ዝፈልጥዎ ኣባላት ሓይሊ ኣየር’ውን ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ዝዝትይሉ ዘለዉ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ።

ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ምሁራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣመንቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፣ ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ብቀጥታዊ ትእዛዝ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዘይሕጋዊ መስርሕን ፍትሕን ን10ታት ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0