ድሕሪ’ቲ 21 ኤርትራውያን ዝጠሓልሉ ናይ ሸገረብ ኩነታት፣ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ከቢድ ወጥሪ ይቕጽል ኣሎ

ድሕሪ’ቲ 21 ኤርትራውያን ዝጠሓልሉ ናይ ሸገረብ ኩነታት፣ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ከቢድ ወጥሪ ይቕጽል ኣሎ

Radio Erena: 26 December 2014

Shag

ድሕሪ’ቲ ኣብ ከባቢ ጊርባ መዓስከር ሸገረብ ዘጋጠመ ምጥሓል 21 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ መዓስከር ሸገረብ ብኤርትራውያን ዝተራእየ ናይ ርድኡና ዕግርግር፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ’ቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዙሕ ግፍዕታት ይፍጽሙ ምህላዎም ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ስደተኛታት ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

እቶም ኤርትራውያን፣ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ብህጹጽ ደው ንምባሉ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ስጉምቲ ክወስድ፣ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጻዕርታቶም ከካይዱ ጸዊዖም።

ካብ መዓስከር ሸገረብ ተበጊሶም ናብ ከሰላ ብኡ ኣቢሎም ከኣ ናብ ካርቱም ንምስጋር፣ ኣብ ጃልባ ዝነበሩ 21 ኤርትራውያን ድሕሪ ምጥሓሎም፣ እቶም ሸሞንተ ከምዝሞቱ ክግለጽ እንከሎ፣ ሓሙሽተ ኸኣ ድሒኖም እኳ እንተለዉ፣ ካብቶም ዝደሓኑ እቶም ኣርባዕተ ተጨውዮም ናበይ ከምዝተወስዱ ኣይተፈልጠን።

ናይቶም ዝተረፉ ሃለዋት’ውን ዛጊት ክፍለጥ ኣይከኣለን።

ነዚ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ዝወረደ ዘሕዝን መቕዘፍቲ ዘሰንበዶም ኤርትራውያን ነበርቲ መዓስከር ሸገረብ፣ ፍታሕ ክናደ ድሕሪ ምጽውዖም፣ ሓያሎ ካብኣቶም ብፖሊስ ተወሲዶም ምህላዎም ይሕበር።

ናብ ኤርትራ ከይመልስዎም’ውን ስግኣት ኣሎ።

ኤርትራውያን ኣዴታትን ቆልዑን ናይ ዝርከብወን ናይ ሓያሎ ኤርትራውያን መዕቆቢ ኣባይቲ’ውን ብሓይልታት ጸጥታ ብሓዊ ከምዝተቓጸለ’ዩ ተገሊጹ።

ካብቲ ኩነታት ንምህዳም ኣብ በረካታት ፋሕ ኢሎም ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይ እኽለ-ማይ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መዓስከር ሸገረብ ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ምህላዉን ካብቲ ቦታ ናይ ዓይኒ ምስክርነቶም ይህቡ ኣለዉ።

ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ንሬድዮ ኤረና ዝሃብዎ ናይ ዓይኒ ምስክርነት ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ተኸታተሉ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0