ዳርፉር፣ ኣንጻር ፕረዚደንት በሽር ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም

ዳርፉር፣ ኣንጻር ፕረዚደንት በሽር ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 25 September 2017

Darfur protestፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ዳርፉር ብኵናት ዝተመዛበሉ ተወላዶ እታ ዞባ ተዓቝቦምሉ ናብ ዝርከብ መዓስከር ኣብ ዑደት ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ብዝተላዕለ ናይ ተቓውሞ ናብዕብን ዕግርግርን ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞተ ተገሊጹ።

ኣህጉራውያን ትካላት ካብቲ ዞባ ብዝህብዎ ዘለዋ ሓበሬታ፣ ፕረዚደንት በሺር ን22 መስከረም ናብቲ ካላማ ዝተባህለ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ተወላዶ ዳርፉር ተዓቝቦምሉ ዝርከብ መዓስከር ክበጽሕ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ፣ ነበርቲ እቲ መዓስከር፣ እቲ ፕረዚደንት ናብ ዳርፉር እግሩ ከየነብር ብምውጽዋዕ ንሳልስቲ ዝቐጸለ ተቓውሞ’ዮም ኣካይዶም።

እቶም ነበርቲ እቲ መዓስከር፣ ፕረዚደንት በሽር ናብ ዳርፉር ዘይኮነ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከምርሕ ብምጽዋዕ፣ ዘካይድዎ ዝነበሩ ተቓውሞ ንምብታን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ብውሕዱ 20 ከኣ ቆሲሎም።

ብምጽናት ዓሌትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክሲ ተመስሪትሉ ዘሎ ፕረዚደንት በሺር፣ ናብ ዳርፉር ዘምርሓሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ኣብቲ ብመንጎኝነት ቀጠር ናይ መወዳእታ ፍታሕ ረኺቡ’ዩ ዝበሎ ዞባ፣ ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ዝርከብ ጠበናጁ ናብ መግስቲ ክርከብ ንምጽዋዕ’ዩ።

ቀጠር ድሕሪ’ቲ ናይ መወዳእታ ፍታሕ ረኺቡ ዝበለቶ ስምምዕ ተቓወምቲ ዳርፉርን መንግስቲ ሱዳንን፣ ኣብቲ ዞባ ሓዳስ ከተማ ንምህናጽ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ 70 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘበርከተት ይዝከር።

ፕረዚደንት በሺር ናብ ዳርፉር ዝበጽሕ ዘሎ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ንልዕሊ 20 ዓመታት ብኣመሪካ ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓል ትጽቢት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ብዛዕባ እገዳ ሱዳን ኣመልኪቱ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ውሳኔ ክህበሉ።

===========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0