ዳላስ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ብሚኒስተር ፍትሒ ወ/ሮ ፎውዝያ ሓሺም ንዝተኻየደ ሰሚናር ዓብሊሎም

Radio Erena: 26 August 2019

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ዳላስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቶ ፍትሒ፣ ብሚኒስተር ፍትሒ ወ/ሮ ፎውዝያ ሓሽም ንዝተኻየደ ሰሚናር ዓብሊሎም።

እቶም ኤርትራውያን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር፣ ብዛዕባ ናብ ሕጊ ዘይቀረቡ እሱራት፣ ገደብ ዘይብሉ ምእሳርን ደሃይ ምጥፋእን ዜጋታት፣ ንኤርትራውያን ገጢምዎም ዘሎ ስደትን ምረቱን ግብረ መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ብዝምልከት በዳህቲ ሕቶታት ኣቕሪቦም።

ወ/ሮ ፎውዝያ ሓሺም፣ ነቲ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝቐረበ ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ክትህበሉ ኣይከኣለትን።

እቶም 10ታት ዝኾኑ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ መወዳኣት ናይቲ ሰሚናር ኣብ ዝተኻየደ ጓልይላን ሳዕስዒትን፣ ብውሽጢ ተኸዲኖሞ ዝኣተዉ፣ “ይኣክል” ዝተጻሕፎ ማልያታት ብምውጻእ፣ ሰለማዊ ተቓውሞታቶም ከርእዩ ክኢሎም።

እቲ ሰሚናር፣ ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካን ህግደፍ ሰሜን ኣመሪካን ኣብ ዝወደቦ ሰሚናር ዝተወደበ ኮይኑ፣ እቶም ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ተመሳሲሎም ድሕሪ ምእታዎም’ዮም ነቲ ሰሚናር ዓቢሎሞ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ውሽጢ ሃገርን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፣ ምልኪ ስርዓት ኢሳይያስን ህግደፍን ከብቅዕን ደሞክራስያዊ ለውጢ ክነግስን፣ ዝጽውዕ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓሳት የካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ስእሊ፣- መስከረም

================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    minister Fozia did a good job.