ደ.ሱዳን ንናጻ ምንቅስቓስ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ነጺጋቶ

ደ.ሱዳን ንናጻ ምንቅስቓስ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ነጺጋቶ

Radio Erena: 17 September 2017

 igad on immigratiህዝብታት ኣባል ሃገራት ኢጋድ፣ ብዘይቪዛ ክንቀሳቐሱ ዘፍቅድ እማመ፣ ደቡብ ሱዳን ከምዝነጸገቶ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

በይናዊ በዓል ስልጣን ንምዕባለ ማለት ኢጋድ፣ ንጽላታት ንግዲ፣ ቀረጽን መራኸቢታትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዘራረበሉ፣ ዶባት ኣባል ሃገራት እውን ንኩሎም ዜጋታት’ተን ሃገራት ክፉት ክኸውን ኣብ ዝብል እማመ፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ጁባ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካዪዱሉ እዩ።

ወኪል ኢጋድ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዓብዱልራሕማን ኣሕመድ ኸሊል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ህዝቢ ብናጻ ክንቀሳቐስ እንተተፈቒዱሉ፣ ኣብ ንግድን ምዕባለን ከምጽኦ ዝኽእል ዓቢ መኽሰብ ገሊጹ።

ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፣ ናጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት ኣባል ሃገራት ግርጭት ካብ ምውጋዱ ንላዕሊ ሕብረት’ውን ዝፈጥር ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እንተኾነ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ዶብ ሓንቲ ሃገር እንተዘይተሓልዩ ንጸጥታ ብዝምልከት ከቢድ ሕቶ ከልዕል’ዩ ብምባል ነቲ እማመ ነጺጎሞ ኣለዉ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ደቡብ ሱዳን ብወገኑ፣ 70% ካብ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዘይተማህረ ስለዝኾነ፣ ኣብ ካልእ ሃገር ከይዱ ናይ ስራሕ ዕድል ክረክብ ኣይክእልን’ዩ፣ ስለዚ ደቡብ ሱዳን ካብዚ እማመ ትረብሖ የብላን ክብል ኣንጻራዊ መርገጺኡ ኣነጺሩ።

============================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0