ደቡብ ሱዳን፣ ፕረዚደንትን መራሒ ተቓዋምን ዘተ ኣካይዶም

Radio Erena: 11 September 2019

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሚያርዲትን መራሒ ዕጡቕ ተቓዋሚ ሬክ ማቻርን ኣብ ከተማ ጁባ ዘተ ኣካይዶም።

እቲ ብዞባዊ ውድብ ኢጋድ፣ “ዘተባብዕ’ዩ” ዝተባህለ ዘተ ክልትኦም ወገናት፣ ብ10 መስከረም ኣብ ጁባ ዝተኻየደሉ፣ ምክትል ኣቦ መንበር ወትሃደራዊ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ሓምዳን ደጎሎ ዝርከቦም ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጥን ሱዳንን ወከልቲ ኢጋድን ተሳቲፎም።

እቲ ዘተ፣ ሎሚ ሮቡዕ 11 መስከረም’ውን ክቕጽል ምዃኑ ዝሓበሩ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ብወገኖን፣ ተሰናኺሉ ዝጸንሐ ምቛም መሰጋግሪ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ዝሓሸ ተስፋ የርኢ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ሬክ ማቻር፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት፣ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ዘተ፣ ትማሊ’ዩ ንፈለማ እዋኑ ምስ ፕረዚደንት ኪር ብኣካል ተራኺቡ።

ክሳብ 2016 ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሐ ሬክ ማቻር፣ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኮይኑ ናብ ደቡብ ሱዳን ክምለስ፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ስምምዕ እኳ እንተተበጽሐ፣ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

ደቡብ ሱዳን፣ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ዕርቂን ሰላም ክሰሙር ብዘይምኽኣሉ በብእዋኑ ብዝተጓሃሃረ ግጭት፣ ህወይት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉን፣ ሚልዮናት ኣመዛቢሉን’ዩ።

ካብ ብሄር ኑዌር ዝኾነ ሬክ ማቻር፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን በቲ ካብ ዓሌት ዲንካ ዝኾነ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ከምዝተዓብለለ’ዩ ዝወቅስ።

እንተኾነ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ግጭታትን ምስሕሓብ መንግስትን ተቓወምቲ ወገናትን፣ ብልሽውናን ዝርገት ሃብቲ ሃገርን ዘንቀሎ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ከባቢ የረድኡ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0