ደቡብ ሱዳን፣ ፈላሚ ምርጫ ፕረዚደንት እናተቓረበ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ መራሒ እታ ሃገር ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ዘትዩ

Radio Erena: Wednesday, 04 October 2023

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ናብ ሩስያ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ስምምዓት ከቲሙ።

ፕረዚደንት፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ብዘይካቲ ንክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ዝምልከት ዝገበሮ ዝርርብ፣ ንጸጥታ ሃገሩ ኣመልኪቱ ብሰፊሑ ዘትዩ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ግምታቶም ይገልጹ።

ጸጥታኣ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከብ ደቡብ ሱዳን፣ ብምኽንያት እቲ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ ናብ ተወሳኺ ግጭታት ከይተምርሕ ይስጋእ።

ኣቐዲሙ ንሚኒስተር ምክልኻልን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ካብ ስልጣኖም ዝኣለየ ፕረዚደንት ኪር፣ትማሊ ሰኑይ ውን ንኣማሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ጆኒ ኦሂሳ ዳሜን ካብ መዝነቱ ብምእላው ብዶ/ር ጄምስ ኣሊክ ጋራንግ ተኪእዎሎ።

ካብ ስልጣኑ ክወርድ፣ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2024 ክሳተፍ ሙኻኑ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት ምሕባሩ ዝዝከርዩ።

ነታ ሃገር ን12 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ንሰልፊ ምንቅስቓስ ሓርነት ደቡብ ሱዳን ብምውካል፣ ክወዳደር ምዃኑ ‘ዩ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ መሰጋገሪ መንግስቲን ተቓወምቲ ኣካላትን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ እቲ ምርጫ ኣብ 2024 ክካየድ እኳ እንተተወሰነ፣ ዕለትን ወርሕን ግና ኣይተጠቕሰን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0