ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ዚምባብዌ 20 ሽሕ መማህራንን ነርሳትን ንምቑጻር ትዘራረብ

ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ዚምባብዌ 20 ሽሕ መማህራንን ነርሳትን ንምቑጻር ትዘራረብ

Radio Erena: 08 February 2016

Mu Ki

ደቡብ ሱዳን ካብ ዚምባብዌ ኣስታት 20 ሽሕ መማህራንን ነርሳትን ንምቑጻር ኣብ ምዝርራብ ከምዘላ ተሓቢሩ።

‘ክሮኒክል’ ዝተብሃለት ጋዜጣ ዚምባብዌ ኣቕሪባቶ ብዘላ ሓበሬታ መሰረት፣ ደቡብ ሱዳን ካብ ዚምባብዌ መማህራን ጥራይ ዘይኮነ ሰብ ሞይ ሕክምናን ነርሳት’ውን ንምቑጻር መደብ ኣለዋ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ደቡብ ሱዳን ጆን ጋይ፣ ኣብ ዚምባብዌ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ከምዘሎ ዝሓበረት ሱዳን ትሪቡን ከኣ ብዛዕባ ምቑጻር መማህራንን ሰብ ሞያ ሕክምናን ይዘራረብ ከምዘሎ ኣረጋጊጻ።

 

ግኑን ዋሕዲ ሞያውያን ዓቕሚ ሰብ ዘለዋ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 200 ዝኾኑ መንእሰያት ብማህደረት ትምህርቲ ናብ ዪኒቨርስታት ዚምባብዌ ሊኣኻ ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

ንዓቕሚ ሰባ እኹል ደሞዝ ንምኽፋል ተጸጊማ እትርከብ ዚምባብዌ’ውን ዝበዝሑ መማህራና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ እናተሰዱ ይሰርሑ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።

ደቡብ ሱዳን፣ እኹል ዓቕሚ ሰብ ብዘይምህላዋ፣ ካብታ ዓቕሚ ሰባ እኹል ደሞዝ ንምኽፋል ተጸጊማ እትርከብ ዚምባብዌ ኣስታት 20 ሽሕ መማህራንን ሰብ ሞያ ሕክምና -ነርሳትን ክትቖጽር ስምምዕ ተካይድ ምህላዋ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ካብ ሃገራት ኤስያ ብፍላይ ካብ ህንድን ፍሊፒንስ ዝምርኮስ ዝነበረ ጠለብ ዓቕሚ ሰብ ኣብ ሓድሕደን ክትክእኦ ምኽእለን፣ ሓያሎ ተንተንቲ ከም እወታ ይጥምትዎ።

ኤርትራውያን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ዝምህሩ 35 መማህራን ካብ ኬንያ ከምዝቖጸረት ኣይርሳዕን።

ሞያዊ ዓቕሚ ሰባ ብሰንኪ ስደት እናተዳኸመ ዝመጽእ ዘሎ ኤርትራ፣ ብሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ምዕባለ፣ መንግስቲ ፊንላንድን ካልኦት መሻርኽትን እናተሓገዘት ካብ ህንዲ፣ ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ኣስታት 1500 መማህራን ቆጺራ ከምዘላ ይፍለጥ።

========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0