ደረፍቲን ሳዕሳዕትን ዝሓቖፈ ልኡኽ ባህሊን ዲፕሎማሲን ህግደፍ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ

ደረፍቲን ሳዕሳዕትን ዝሓቖፈ ልኡኽ ባህሊን ዲፕሎማሲን ህግደፍ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ

Radio Erena: 14 February 2019

ደረፍቲ፣ ሳዕሳዕትን ተላሃይትን ዝርከብዎም ልዕሊ 50 ኣባላት ዝሓቖፈ ልኡኽ ባህሊን ዲፕሎማስን ህግደፍ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

እቲ ሎሚ14 ለካቲት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ፣ ገዲም ድምጻዊ በረኸት መንግስትኣብ ዝርከቦም፣ ልኡኽ ባህሊን ዲፕሎማሲን ህግደፍ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ንህዝቢ ምርኢት ከቕርብ’ዩ።

ይኹን’ምበር እቲ ብስም “ጽምብል ሰላም” ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘሎ ልኡኽ ህግደፍ፣ ኣብቲ ብቋንቋን ባህልን ዝመሳሰሎ ህዝቢ ክልል ትግራይ፣ ምርኢት ከምዘየቕርብ ተፈሊጡ ኣሎ።

====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0