ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ ብዛዕባ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክዘራረብ ቅሩብ ከምዘሎ ገሊጹ

ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ ብዛዕባ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክዘራረብ ቅሩብ ከምዘሎ ገሊጹ

 Radio Erena: 14 February 2019

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ብዛዕቲ ኣብ መንጎ ሃገሩን ኤርትራን ዘሎ ዘይተፈትሐ ጉዳያት ብዝምልክተ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክዘራረብ ቅሩብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ንሱ ምስ መደበር ቴሌቪዥን ፍራንስ 24 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ምስ ኤርትራ ንኣስታት 10 ዓመታት ዝጸንሐ ምውጣጥ ንምፍታሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝወሰዶ ተበግሶ ድሕሪ ምምጓስ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብወገኑ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ጅዳ ንክራኸቡ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ንኢዱ።

ኣብቲ ናይ ጅዳ ርክብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ምስ ጅቡቲ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ቅሩብ ከምዘሎ ቃል ስለዝተወ፣ ብወገና’ውን ድሉዋት ኣሎና ዝበለ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ክልትኤም መራሕቲ ክራኸቡ መደብ ከምዘሎ’ውን ኣተንቢሁ።

እንተኾነ ፕረዚደንታት ኤርትራን ጅቡትን ዝራኸብሉ ዕለትን ቦታ ካብ ምሕባር ተቆጢቡ።

ምስ ፕረዚደንት ኢያይያስ ዛጊት ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ኣይገበርናን፣ እንተኾነ ዝጸንሓና ክትፍናን ክፍታሕ’ዩ ዝብል ልዑል እምነት’ዩ ዘሎ ክብል’ውን ፕረዚደንት ገለ ደምዲሙ።

ኣብ ግንቦት 2008 ኣብ ከባቢ ዱሜራ ኵናት ዘካየዳ ኤርትራን ጅቡቲን፣ ብጉዳይ ምውልላጥ ምሩዃትን ዋንነት እቲ ከባቢታትን ንልዕሊ 10 ዓመታት ክሰሓሓባ ምጽንሐን ዝፍለጥ’ዩ።

ንክልትኤን ሃገራት ንምቕርራብ፣ ኣብ 2010 ብመንጎኝነት ቀጠር ዝተጀመረ ናይ ዕርቂ መስርሕ እወታዊ ውጽኢት ከይተረኽቦ ኣብ 2017 ከምዝተቛረጸ ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0