ዩጋንዳ ኣብ ሶማል ዝዋፈሩ ተወሰኽቲ 5 ሽሕ ወተሃደራት ከተዋፍር ጠሊባ

ዩጋንዳ ኣብ ሶማል ዝዋፈሩ ተወሰኽቲ 5 ሽሕ ወተሃደራት ከተዋፍር ጠሊባ

Radio Erena: 12 November 2017

ugandan armyዩጋንዳ ኣብ ሶማል ዝዋፈር ተወሳኺ 5 ሽሕ ወተሃደራት ዝሓቖፈ ሓይሊ ክትልእኽ ድልውቲ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ወሃብ ቃል ሰራዊት ዩጋንዳ ሪቻርድ ካረሚረ ንሺን ሁዋ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ተጠርኒፉ ዘሎ ሰራዊት፣ ዩጋንዳ በይኑ ዝቖመ ሰራዊት ብምቛም ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ክትፍኑ ድልውቲ ከምዘላ ኣረጋጊጹ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኮነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስራሕ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕንቅፋታት ከምዘለዎ ብምጥቃስ፣ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም እኹል ዕጥቂ እንተተለጊሱሉ፣ እዚ ርእሱ ክኢሉ ዝቐውም ወተሃደራዊ ሓይሊ፣ ቅልጡፍ ገስጋስ ከርእይ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፣ ፕረዚደንት ዩጋንዳ የወሪ ሙሰቨኒ፣ ምስ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ እኹል ወተሃደራዊ ዕጥቂ፣ ሄሊኮፕተራትን ፋይናንሲያዊ ሓገዝን እንተተለጊሱሉ ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ክልእኽ ድሉው ከምዘሎ ምሕባሩ ይግለጽ።

ካብቲ 22 ሽሕ ዝቑጽሩ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ወተሃደራት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ነናብ ሃገሮም ክፋነዉ ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ሶማል ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ብዩጋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ኬንያ፣ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዝቖመ’ዩ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0