ዩጋንዳ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ካብ ዝነበረ ሰራዊታ ክትስሕብ ጀሚራ

ዩጋንዳ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ካብ ዝነበረ ሰራዊታ ክትስሕብ ጀሚራ

Radio Erena: 31 December 2017

serawit ugandaዩጋንዳ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ካብ ዝነበረ ሰራዊታ ክትስሕብ ጀሚራ።

ወሃብ ቃል ሰራዊት ዩጋንዳ ሪቻርድ ካረሚረ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ብመሰረት ስምምዕ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፣ ሃገሩ ኣብ ሶማል ተዋፊሮም ካብ ዝነበሩ ሰራዊታ ንሓደ ሽሕ ስሒባቶም ከምዘላ ኣፍሊጡ።

ዩጋንዳ ልዕሊ 6 ሽሕ ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2018 ኣብታ ሃገር ክጸንሕ እኳ እንተኾነ፣ በብእብረ ኣብ ዝካየድ ምስሓብ ሰራዊት ግና ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ክጅመር’ዩ ተወሲኑ።

እቲ ዓቃብ ሰላም ኣብ መፋርቕ 2018 ጠቕሊሉ ኣብ ዝወጻሉ፣ ጸጥታ ሶማል ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ሰራዊት ሶማልያ ክኣቱ እዩ። እንተኾነ ሰራዊት ሶማል ነዚ ሓላፍነት’ዚ ቅሩብ ብዘይምዃኑ፣ 500 ዝቑጽሮም ክኢላታት ኣብ ምስልጣን ሓይሊ ፖሊስን ጸጥታን ክዋፈሩ ምዃኖም ወተሃደራውያን ተንተንቲ ይገልጹ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0