ዩጋንዳ፣ መማህራን ወሰኽ ደሞዝ ዝጠልብ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ የካይዱ

Radio Erena: 28 June 2022

ኣብ ዩጋንዳ ወሰኽ ደሞዝ ዝጠለበ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ይካየድ ኣሎ።

ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ኣብ ዘመሓላልፎኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ ማሕበር መማህራን ዩጋንዳ ዝወደቦ እቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ፣ መንግስቲ፣ ኣብ ፍሉይ ዓውድታት ንዝምህሩ መማህራን ጥራይ ደሞዝ ምውሳኹ ንምቅዋም ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢረን።

መማህራን ዩጋንዳ ኣብዚ ሓለፈ ዓመታት ድሕሪ ዝገበሩዎ ተቓውሞታት፣ ኣብ ሳይንስን ተክኖሎጂን ዝነጥፉ መማህራን ናይ 300 ሚእታዊት ወሰኽ ደሞዝ ገይሩ እዩ።

እንተኾነ ኣብ ካልእ ዓውድታት ዝነጥፉ መማህራን፣ ወሰኽ ስለዘይተገብረሎም፣ ምስ ካልኦት መማህራን ብማዕረ ክረኣዩ ብምጥላብ እዮም ዝቃወሙ ዘለዉ።

በዚ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ዝጽለዉ ተመሃሮ፣ ዛጊት 12 ሽሕ በጺሖም ኣለዉ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዩጋንዳ፣ እቶም ኣዲሞም ዘለዉ መማህራን ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ናይ ስራሕ ቦትኦም እንተዘይተመሊሶም፣ ብገዛእ ፍቓዶም ስራሕ ከምዝገደፉ ተቖጺሩ፣ መተካእታኦም ካልኦት መማህራን ክቑጸሩ እዮም ብምባል ኣጠንቂቑ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ግንቦት፣ ካብ ዩኒቨርሲታት ዝተዋጽኡ ምሁራት፣ ስርዓተ ትምህርቲ ዩጋንዳ ክመሓየሽን፣ መማህራን ዝዓግቡሉ ክፍሊት ዝረኽቡሉን መጽናዕቲ ኣቒሪቦም፣ ብመንግስቲ’ታ ሃገር ተነጺጉ እዩ።

ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ‘ንመጻኢ መማህራን ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም እዩ፣ ሕጂ ግና ሱቕ ኢልኩም ስርሑ’ ምባሉ፣ ነቲ ኩነታት ከምዘጋደዶ ምንጭታት ዜና’ታ ሃገር ይገልጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0