ዩክሬይን፣ “ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤርትራ ክሰጋገር ዝተሓስበ’ዩ” ዝበለቶ 36 ሚሳይላት ከምዝሓዘት ተገሊጹ

ዩክሬይን፣ “ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤርትራ ክሰጋገር ዝተሓስበ’ዩ” ዝበለቶ 36 ሚሳይላት ከምዝሓዘት ተገሊጹ

መንግስቲ ዩክሬይን፣ “ብዘይሕጋዊመንገዲ ናብ ኤርትራ ክሰጋገር ዝሓሰበ’ዩ” ዝበሎ፣ 36 ሚሳይላት ከምዝሓዘ ንኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ብምጥቃስ መርበባት ሓበሬታ ገሊጸን።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣኽሃብር ሕጊ እታ ሃገር ዩሪ ሉሰንኮ፣ ላዕለዋት ወትሃደራዊ ኣሕባር ሕጊን ኣናቶላይ ማትዮስን ብሮቡዕ 27 መጋቢት ንካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ድሕሪ ዝሃብዎ መብርሂ’ዩ።

እቲ ኣብ ወደብ ኦደሳ፣ ዝተታሕዘ፣ ስርሓት ሩስያ ዝዓይነቱ ሚሳይላት፣ ካብ መሬት ናብ ሰማይ ዝውርወር፣ ጸረ ነፈርቲ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

እቲ ሚሳይላት፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤርትራ ክሰጋገር ከምዝተታሕዘ ደኣ’ምበር፣ መዓስን ብኸመይን ከምዝተረኽበ ዝርዝር ኣይተገልጸን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0