ዩኒሴፍ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ንዝተፈላለየ ሰብኣዊ ጸገማት ዝተቓልዑ 1.2 ሚልዮን ቆልዑን ደቂንስትዮን ንምሕጋዝ 13 ሚልዮን ዶላር ምወላ ሓቲቱ

Radio Erena: 13 December 2021

ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ – UNICEF፣ ኣብ ኤርትራ ዝተፈላላየ ሰብኣዊ ጸገማት ንዝገጠሞም ኣስታት 1.2 ሚልዮን ቆልዑን ደቂንስትዮን ንምሕጋዝ፣ ናይ 13.7 ሚልዮን ዶላር ምወላ ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ዝመጽእ ወርሒ ንዝኣቱ ዓመተ 2022፣ ኣብ ኤርትራ ንዝሰርዖ መደባት ብዝርዝር ኣብ ዘቐመጠሉ፣ ካብቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ኢሉ ብቀዳምነት ዝሰርዖም ኤርትራውያን፣ ብሕሉፍ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ተጠቒዖም ዝእለዩ ዘለዉ ኣስታት 20 ሽሕ ቆልዑ’ዮም።

መብዛሕቶም እዞም ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ተጠቒዖም ሓገዝ ከምዘድልዮም ዝተገልጹ ቆልዑ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 6 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ይርከቡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ UNICEF፣ ን300 ሽሕ ኤርትራውያን ቆልዑ ቫይታሚን ኤ ንምሃብ’ውን መዲቡ ኣሎ።

ብሓፈሻ ድማ ኣብ ዓመተ 2022፣ ኣብ ኤርትራ 1.2 ሚልዮን ዝግመቱ ቆልዑን ደቂንስትዮን፣ ኣብ ጥዕና፣ ኣመጋግባ፣ ማሕበራዊ ጉዳይን ትምህርትን ዘተኮረ ሰብኣዊ ሓገዛት ከካይድ ምዃኑ’ዩ እቲ ትካል ዘርዚሩ።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣተቓናዒፍዎ ከምዝጸንሐ ዘመልከተ ዩኒሴፍ፣ ብዘይ ሓገዝ ኣህጉራውያን መወልቲን መሻርኽቲን፣ ናይ 2022መደባቱ ክዕወት ከምዘይክእል ኣብቲ ብ8 ታሕሳስ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣስሚርሉ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0