ዩኒሴፍ፣ “ህይወት ዘድሕን” ተባሂሉ ዝግለጽ ህጹጽ ክታበት ናብ ኤርትራ ልኢኹ

Radio Erena: 17 October 2019

ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ (UNICEF)፣ ህወይት ዘድሕን እናተባህለ ዝግለጽ ክታበት ናብ ኤርትራ ከምዝልኣኸ ኣፍሊጡ።

እቲ ከም ስትራቴጅያዊ ህጹጽ መድሃኒታት ዝግለጽ ክታበት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብፍልይቲ ነፋሪት ናብ ኣስመራ ከምዝተላእከ እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ትካል ኣረዲኡ።

እቲ ናብ ኤርትራ ዝተላእከ ህጹጽ ክታበት ቆልዑ፣ 20 ሽሕ ኪሎ ዝምዘንም ኮይኑ፣ 4.3 ሚልዮን መዐቀኒ መድሃኒት ወይ ዶዝ ዘለዎን ንዝተፈላለየ ሕማማት ንምክልኻል ዘገልግልን’ዩ።

ካብዚ እቲ ዝበዝሐ፣ ኣብ ኤርትራ ግኑን ተርእዮ ኮይኑ ንዘሎ ሕማም ኣንቅጺ ወይ መነንጃይትስ ንምክልኻል ዝሕግዝ ክታበት’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ንዝርከቡ ካብ 1 ክሳብ 29 ዓመት ንዝዕድሙኦም 3 ሚልዮን ቆልዑን መንእሰያትን ድማ በዚ ክሳድ ብምድራቕ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም ከይጥቅዑ ኣብ ምክልካል ክዋፈር’ዩ።

ኤርትራ፣ ብሸፈነ ክታበት ሓንቲ ካብ ዕውታት ሃገራት ኣፍሪቃ’ያ።

እዚ ድማ ሳላ ሓገዝ ከም ዩኒሴፍ፣ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦትን ዝኣመሰላ መሻርኽትን ጻዕሪ መንግስታውያን ትካላትን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ካብ 2014 ንደሓር ጥራይ፣ ዩኒሴፍ፣ ክታበት ቆልዑ ዘድሃበ ህጹጽ መድሃኒታት፣ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ፣ ብነፈርቲ ክእልኽ ምጽንሑ ይጠቕስ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ኤርትራ፣ ዋሕዲ ናይቲ ብመንግስቲ ብድጎማ ዝሽመት ዝነበረ ስትራቴጅያዊ መድሃኒታት እናገነነ ይመጽእ ከምዘሎ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0