የመን ቀይዳቶ ዘላ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ እንተዘይፈቲሓቶ፣ በረራታት መንገዲ ኣየር የመን ናብ ኤርትራ ደው ከምዘብል መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ

የመን ቀይዳቶ ዘላ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ እንተዘይፈቲሓቶ፣ በረራታት መንገዲ ኣየር የመን ናብ ኤርትራ ደው ከምዘብል መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 04 July, 2014

Anda yeme

የመን፣ ነቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ትራንዚት ዝቐየደቶ መራሒ ተቓዋሚ ኢትዮጵያ እንተዘይፈቲሓቶ፣ መንገዲ ኣየር የመን ናብ ኤርትራ እተካይዶ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክስርዞ ምዃኑ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘፍለጠ ናሽናል የመኒ ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ብሪጣንያ ዜግነት ዘለዉ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ግንቦት 7 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ውድብ፣ ኣንዳርጋቸው ጽገ ካብ ዱባይ ብመንገዲ ኣየር የመን ናብ ኤርትራ እናምርሐ እንከሎ፣ ኣብ ብ23 ሰነ ኣብ ትራንዚት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ የመን ከምዝተታሕዘ ሬድዮ ኤረና ምግላጻ ዝዝከር’ዩ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ብቀጥታ ዝበራ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ብዘይምህላወን፣ ሃገራት ብትራንዚት ብምትእስሳር’ዩ ጉዕዞ ዝካየድ። እዚ ኢትዮጵያ መራሒ ተቓዋሚ’ውን፣ ካብ ኣመሪካ ናብ ዱባይ፣ ደሓር ድማ ካብ ዱባይ ብመንገዲ ኣየር የመን ናብ ኤርትራ’ዩ ዘምርሕ ኔሩ።

የመን፣ ብትራንዚት ንዝሓልፉ ተጓዓዝቲ ክትቕይድ ሕጋዊ ኣይኮነን እናበለ ዝጣበቕ ዘሎ ተቓዋሚ ውድብ ግንቦት 7፣ ነቲ ብኢትዮጵያ ክሳብ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ክብየነሉ ዝኽእል መራሒ ተቓዋሚ ብዝቐልጠፈ ክትፈትሖ ናብ ፕረዚደንት የመን መልእኽቲ ሰዲዱ ኣሎ።

የመን ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደትሉ ምክንያት ዛጊት ብንጹር ክፍለጥ ኣይከኣለን።

ናብ ኢትዮጵያ ክትጥርዞ ከምእትኽል’ውን ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣንዳርጋቸው ጽገን ዶክተር ብርሃኑን ነጋን ዝተባህሉ መራሒቲ ናይዚ ብኢትዮጵያ ከም ናይ ናዕቢ ጉጅለ ዝግለጽ ግንቦት 7፣ ንሳቶም ኣብ ዘይተረኽብሉ ኣብ 2012 ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ንሕልፈት ክእሰሩ ከምዝወሰነ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0