የመን፣ ኣብ ወደብ ሖደይዳ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 20 January 2021

ኣብ የመን፣ ወደብ ሖደይዳ፣ ኣብ መንጎ ብሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ዝድገፉ ዕጡቓትን ነታ ወደብ ተቖጻጺሩ ዘሎ ሑቲን ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ብውሕዱ 150 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ግጭት፣ ብክልቲኦም ወገናት ከምዝተቐስቀሰ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ እቶም ንመንግስቲ ዝድግፉ ዕጡቓት ግና፣ ሑቲ ተወሳኺ ቦታታት ንምቑጽጻር ድሕሪ ዝኸፈቶ ቶኽሲ ከምዝተባርዐ’ዮም ወቒሶም።

ነፈርቲ ውግእ ሕቡራት ኢማራት፣ ንቶም ዕጡቓት ብምድጋፍ፣ ኣብታ ከተማ ተደጋጋሚ ደብዳብ ከምዘካየዳ ሑቲ ብወገኑ ገሊጹ።

ስትራቴጅያዊት ወደብ ሖደይዳ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ፣ ቀንዲ ኣፍደገ ሑቲ’ያ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንሑቲ ካብዛ ወደብ ንምእላዩ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ዘካየድኡ ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኵናትን ዝኮነ ፍረ ከምጽእ ብዘይምኽኣሉ፣ እታ ከተማ ብሕቡራት ሃገራት ብዝተመዘዘ ኮሚተ ክትመሓደር ሑቲን በዘን ሃገራት ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን፣ ኣብ ስቶኮልም ስምምዕ በጺሖም ኔሮም።

እንተኾነ፣ እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ክልቲኦም ወገናት ስለዝተወቓቐሱ፣ ሖደይዳ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ኣብ ኢድ ሑቲ’ያ ትርከብ።

ሖደይዳ፣ ናብ ኤርትራ እታ ዝቐረበት ዝዓበየት ወደብ ናይ የመን’ያ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0