የመን፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 10 ተቐቲሎም

Radio Erena: Wednesday, 13 September 2023

ኣብ የመን፣ ናብ ሃገራት ወሽመት ንምስጋር ዝተኣኻኸቡ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታታ፣ ንሓድሕዶም ኣብ ዘካየድዎ ባእሲን ዕግርግርን፣ ብውሕዱ 10 ካብኣቶም ከምዝተቐትሉ ጋዜጣ ሻርቕ ኣልኣውሰጥ ሓቢራ።

እቲ ኣብ ከተማ ዓደን ዝተጎሃሃረ ግጭት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ጠንቒ ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ምስ ብሄር ዝተተሓሓዘ ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ።

እታ ጋዜጣ፣ ንሓደ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኦሮሞ፣ ዓራፋት ጂብሪል ባርኪ ብምዝርራብ ኣብ ብዘቕረበቶ ሓበሬታ መሰረት፣ መበገሲ እቲ ግጭት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ንዝርከቡ ተወላዶ ኣምሓራን ትግራይን ሓዲጉ ንተወላዶ ኦሮሞ ፈልዩ ይመልሶም ብምህላዉ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ሃገራት ወሽመት ዓረብ ንምስጋር ናብ የመን ኣትዮም፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታቱ ንምምላስ፣ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደትኛታት ብሓባር ይሰርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ተወላዶ ኣምሓራን ትግራይን፣ ናብ ዓድታቶም ንምምላስ ምቹእ ናይ ጸጥታ ሃዋሁ ስለዘየለ፣ ንተወላዶ ኦሮሞ ፈልዩ ይመልሶም ምህላዉ’ቲ ጂብሪል ዘመልክት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት፣ ብዛዕባ’ዚ ህይወት 10 ሰባት ኣጥፊኡ ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ የመን ዝተጎሃሃር ግጭት ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃቡሉን።

ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታ፣ ነቲ ግጭት ንምህዳእ ኣብ ዓደን ዝነበሩ ኢትዮጵያን ስደተኛታት፣ ናብ ዝተፈላለየ ግዝያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት የግዕዞም ምህላዉ ሻርቕ ኣል ኣውሰጠ ኣፍሊጣ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ሓለዋ ዶባት ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ የመን ናብታ ሃገር ንምስጋር ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ ኢትዮጵያን ስደተኛታት ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ፣ ኣማኢት ከምዝቐትሉ ሁማን ራይትስ ዎች ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኣብ የመን መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ዝኾኑ ልዕሊ 200 ሽሕ ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክህልዉ እንከለዉ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝነበሩ ኣስታት 11 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ከምዝመለሰ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት የመልክ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0