የመን፣ ናይ ቱርኪ መርከብ መጥቃዕቲ ወሪዱዋ

የመን፣ ናይ ቱርኪ መርከብ መጥቃዕቲ ወሪዱዋ

Radio Erena: 14 May 2018

Turkish ship

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሑቲ ናብ ዝቖጻጸሮ ወደብ ናይ የመን እተቕንዕ ዝነበረት ናይ ቱርኪ መርከብ፣ መጥቃዕቲ ከምዝወረዳ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

እታ ካብ ወደብ ሖዴዳ ንሰሜን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ወደብ ሳሊፍ መልህቓ ንምውራድ እትዳሎ ዝነበረት መርከብ፣ ካብ ሩስያ ናብ ህዝቢ የመን ዝተላእከ 50 ሽሕ ቶን ስርናይ ጽዒና ምንባሩ’ዩ ተገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ካብ ዘይተፈልጡ ወገናት ዝተተኮሰላ ሚሳይል ክኸውን ከምዝኽእል ሓይልታት ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ይገልጹ።

ይኹን’ምበር ጠንቂ’ቲ ኣብታ መርከብ ዝወረደ ዕንወት፣ካብ ውሽጣ ብዝተፈጥረ ነትጕ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ካልኦት ወገናት ግምታቶም ይህቡ።

እታ መርከብ ድሕሪ’ቲ ዝወረዳ ዕንወት ብመራኽብ ሓይልታት ልፍንቲ ተሳሒባ ናብ ወደብ ጂዛን ናይ ስዑዲ ዓረብ ተጸጊዓ ከምዘላ ተፈሊጡ ኣሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0