የመን፣ ነፈርቲ ኵናት ስዑዲ፣ ልዕሊ 50 ምሩዃት ቀቲለን

Radio Erena: 02 September 2019

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን ኣብ ዘካየደቶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ልዕሊ 50 ምሩዃት ኵናት ከምዝቐተቐትሉ ተገሊጹ።

እቲ ብሰንበት 1 መስከረም ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ኣብ ምዕራባዊ የመን፣ ዳማር ኣብ ዝተባህለ፣ ምሩዃር ኵናት ተዓቝብምሉ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተፈጸመ ዝሓበረ ኣፈኛ ሑቲ፣ እቲ ቦታ ብቀይሕ መስቀል ዝተፈልጠ ምንባሩ ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ኣፈኛ፣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ 185 ምሩዃት’ዮም ኔሮም።

ወኪል ቀይሕ መስቀል ኣብ የመን፣ ነቲ ፍጻሜ ንምጽራይ ይሰርሕ ከምዘሎ ብመንገዲ ትዊተር ሓቢሩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ብዛዕባ’ቲ፣ ንምሩዃት ኵናት ዒላማ ዝገበረ’ዩ ዝብሃለሉ ዘሎ መጥቓዕቲ፣ ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበትሉን።

ነፈርቲ ውግእ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣብ የመን፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ከም መርዓ ዝኣመሰለ ውራያትን ብዘካየድዎ ደብዳባት ኣማኢት ቆልዑን ሰለማውያን ሰባትን ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም’ዮም።

ኣብዚ ዝሓለፈ 5 ዓመታት፣ ነፈርቲ ውግእ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣብ የመን 18 ሽሕ ግዜ ደብዳብ ከምዘካየዳን ብሰንኩ ድማ 10ታት ኣሽሓት ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0