የመን፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ፣ ግጭት ተላዒሉ

የመን፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ፣ ግጭት ተላዒሉ

Radio Erena: 18 December 2018

yemen

ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ የመን፣ ሓደ መዓልቱ ከየቑጸረ ዳግም ግጭት ከምዝተላዕለ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

ኣብቲ ስምምዕ ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደብ ሖደይዳ፣ ብሕቡራት ሃገራት ዝተማእከለ ምሊሻ ክትመሓደር ሑቲን መንግስቲ የመንን እኳ ኣብ ምርድዳእ እንተበጽሑ፣ ናብ ትግብረ ከይተሰጋገረ’ዮም ናብ ግጭት ኣትዮም።

ጠንቂ’ቲ ግጭት፣ ነፈርቲ ውግእ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ፣ ደብዳብ ምክያደን ምዃኑ ሑቲ ይወቅስ።

ሑቲ፣ ነታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ እትርከብ ወደብ ሖደይዳ፣ ናብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተማእከለ ሚሊሻ ከረክባ፣ ምቁራጽ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ቅድመ ኩነት’ዩ ኣቐሚጥዎ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝመራሕተን፣ ኤርትራ እትርከበን 21 ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ዝኸፈትኦ ኵናት ዓወት ከጎናጽፈን ብዘይምኽኣሉ፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምንዳይ’ዩ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ፣ ኣብ ሽወደን ተኸቲሙ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0