‘ዝምድና ቻይናን ኤርትራን ኣካል ምዕቃብ ሰላም ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ዩ።’ ፕረዚደንት ቻይና

Radio Erena: 16 May 2023

ዝምድና ቻይናን ኤርትራን ኣካል ምዕቃብ ሰላም ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ’ ፕረዚደንት ቻይና፣ ዚ ዢፒንግ ገሊጹ።

ፕረዙደንት ዢፒንግ ነዚ ዝገለጸ፣ ብ15 ግንቦት ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝገበሮ ርክብ’ዩ።

ንሱ፣ ምስ ኤርትራ ዘሎና ዝምድና፣ ንነዊሕ ዝጠመተ ክልትኣዊ ረብሓታት ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ምዕቃብ ሰላም እቲ ዞባ’ውን ዘተኮረ ምዃኑ’ዩ ኣስሚርሉ።

ነዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ምስ ኩለን ጎረባብታ ኣብ ኵናት ተጸሚዳ ዝጸንሐት ኤርትራ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ለውጢ፣ እቲ ዞባ ናብ ዝሓሸ ናይ ሰላም ጎደና ከምርሕ ከምዝኽእል’ዩ ትጽቢት ተነቢርሉ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ገጢምዎ ብዘሎ ፖለቲካዊ፣ ወትሃደራዊ ከምኡ ድማ ኩነታት ደርቂ፣ ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበሮ መድረኽ ከምዝተመልሰ ተንተንቲ የረድኡ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ልዑል ተገዳስነት ኣሕዲራ ዘላ ቻይና፣ ምስ ኩለን ሃገራት እቲ ዞባ ዝሓሸ ዝምድና’ዩ ዘለዋ።

ቻይና ኣብታ ምስ ኤርትራ ዛጊት ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ጂቡቲ፣ ኣማኢት ወትሃደራት ዝዓስከረሉ መደበር ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ እስማዒል ዑመር ገለ’ውን ኣብ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ቻይና ተመሳሳሊ ዑደት ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ፣ ካብ 13 ክሳብ 17 ግንቦት ኣብ ቻይና ወግዓዊ ናይ ስርሕ ምብጻሕ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0