‘ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሶማል ናይ ዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ሓላፍነት ዝወስድ፣ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ እዩ’ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሶማል

Radio Erena: 18 August 2021

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሶማል ናይ ዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ሓላፍነት ዝወስድ፣ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ እዩ፣ ክብል ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሶማል ከሲሱ።
ዝሓለፈ ሰሙን ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዞባ ሸበሌ ናይ ሶማል ንሓለዋ እንዳዞረ እንከሎ ብዝተኻየደሉ ድብያ፣ ካብ ክልቲኡ ወገናት ቁጽሮም ብንጹር ዘይተነግረ ሰባት ሞይቶም እዮም።
እንተኾነ ሞት ናይ’ቶም ሰላማውያን ሰባት፣ እቲ ውግእ ደው ድሕሪ ምባሉ እዩ ተፈጺሙ፣ ክብል ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ዓብዱልቃድር መሓመድ ኑር ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ሓሙሽተ ሓረስቶት ከምዝርከብዎም ብምግላጽ፣ ንገለ ካብኣቶም ብኣካል እውን ይፈልጦም ምንባሩ ሓቢሩ።
ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ማለት ኣሚሶም፣ ኣብቲ እዋን ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዝነበሩ ኩሎም ኣባላት ኣልሸባብ እዮም ኔሮም ክብል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ክልተ መዓልቲ ጸኒሑ፣ ነቲ ፍጻሜ መርመራ የካዪደሉ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ጎልወይን ኣብ ልዕሊ ኣሚሶም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሸውዓተ ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ዘመልከተ እቲ ዓቃብ ሰላም፣ እቲ መርመራ ተጻርዩ ውጽኢቱ ክሳብ ዝፍለጥ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ኩሎም ዕጡቓት እዮም ኔሮም ኢሉ ከምዝኣምን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ቃል ሓቢሩ።
ውጽኢት እቲ መርመራ፣ ንሓፋሽ ክፉት ከምዝኸውን እውን ገሊጹ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0