ዚምባብዌ፣ ተቓወምቲ ኣብ እዋን ሰለማዊ ሰልፊ ባንዴራ እታ ሃገር ከይሕዙ ዝኽልክል ሕጊ ኣውጽኣ

Radio Erena: 22 September 2016

Zim

ኣንጻር ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ተቓውሞ ዘካይዱ ዜጋታት ዚምባብዌ፣ ባንዴራ እንተልዒሎም፣ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ መንግስቲ እታ ሃገር እታ ሃገር ኣጠንቒቑ።

መንግስቲ ዚምባብዌ፣ ብመንገዲ ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣንጻር ሙጋቤ ዝቓወሙ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ዝኾነ ንጥፈታቶም ባንዴራ ዚምባቤ እንተልዒሎ ክሳብ 6 ወርሒ ማእሰርትን 200 ዶላርን ክቕጻዕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ዘውጽአ፣ ሓደ ካብ ህቡባት መራሕቲ ተቓወምቲ ፓስቶር ኢቫን ማዋሪረ፣ “ባንዴራ ብዘይሰብኣዊ ክብረት ትርጉም የብላን” ዝሕመረቱ፣ ንህሉው ፖለቲካውን ቁጠባዊ ኩነታት ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብምትእስሳር፣ ባንዴራ ዚምባብዌ ኣብ ክሳዱ ብምንጥልጣል ኣብ ዩቱብ ድሕሪ ዝዘርግሖ መልእኽቲ’ዩ።

እቲመንግስቲ ብተወሳኺ፣ ብዘይካ’ቲ ብሕጋዊ መንገዲ ብፍቓድ መንግስቲ ዝዝርጋሕ እንተዘይኮይኑ ባንዴራ ኣባዚሕካ ናብ ዕዳጋ ምውራድ’ውን ክልኩል ምዃኑ ኣዊጁ ኣሎ።

ብእርጋን ተሰኒፉ ዝርከብ ወዲ 92 ዓመት ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣን ክእለን፣ ስልጣኑ ናብ ሓደሽ ወለዶ ከሰጋገርን ድፍኢት ኣብ ዝበዝሓሉ እዋን፣ መብዛሕቶም መንእሰያት እታ ሃገር ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ዝተፈላለየ ተቓውሞታት ኣብ ምክያድ’ዮም ዝርከቡ።

ሞሶብ ኣፍሪቃ ዝነበረር ዚማብብዌ፣ ኣብዚ ናይ ኣስታት 38 ዓመታት ምምሕዳር ሙጋበ፣ ሓንቲ ካብ ቀዳሞት ድኻታትን፣ ሰብኣዊ ክብሪ ዝግሃሰለንን ሃገራት ኮይና ኣላ።

ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ወገናት፣ ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ተቓውሞታት ኣብ ዘካይድሉ እዋን፣ ከኣ ባንዴራ ዚምባብዌን ዝተፈላለየ ጭርሖታትን እናልዓሉ ሰለፊ ዘካይዱ እኳ እንተነበሩ፣ ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ግና፣ ባንዴራ ኣልዒልካ ምቕዋም፣ ብጥልመት ሃገርን ክብሪ ባንዴራ ምንሻውን ዘኽስስ’ዩ።

ሓደ ካብ ዕሉላት ውልቀመለኽቲ ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ንገዛእ ርእሱ ብሃገር፣ ህዝቢን ባንዴራን እናተከአ፣ ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ምውንጃሉ፣ ንባዕሉ ገበነና’ዩ ክብሉ’ዮም ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ነዚ ሓድሽ ሕጊ ዝቓወምዎ።

ኣብ ዝኾነ ሃገር፣ ኣንጻር መንግስታት ኣብ ዝካየድ ተቓውሞታት ባንዴራ ምልዓል ይኩን ባንዴራ ምቕጻል ንቡር ተርእዮ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን፣ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰያት ባንዴራ ኤርትራ ብምቅጻል ንዘርኣዮ ተቓውሞ፣ ኣብ ወጽኢ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዓቢ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0