ዕጡቓት ኦሮሞ፣ ኣብ ሆሮ ጉድሩ ሓያሎ ሰባት ቀቲሎም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ወቒሱ

Radio Erena: 26 Septemner 2022

ዕጡቓት ኦሮሞ፣ ኣብ ወለጋ፣ ከባቢ ሆሮ ጉዱሩ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ቀቲሎም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ወቒሱ።

ቤት ጽሕፈት ወሃቢ ቃል እቲ መንግስቲ፣ ብቀዳም 24 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቶም ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ- ሸኔ ምዃኖም ዝገለጾም ዕጡቓት፣ ግብረ መልሲ ናይቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘካየዶ ስርሒትን ኣብ በዓል መስቀል ዕግርግር ንምፍጣርን ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ፣ በቲ እቶም ዕጡቓት ዝፈጸሞዎ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ይኹን ካልእ ዝርዝር ኣየቕረበን።

ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም፣ ዕጡቓት ኣምሓራ ኣብቲ ከባቢ ኣስታት 60 ተወላዶ ኦሮሞ ምስ ቀተሉ ዕጡቓት ኦሮሞ ብወገኖም ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ምዃኖም ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ በቲ ንተወላዶ ኦሮሞ ጥራይ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ልዕሊ 70 ሰባት’ውን ብከቢድ ፎኵሲን ከምዝቖሰሉ ኣፍሊጡ።

መግለጺ እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ፣ እቲ ቅድሚ ሰለድተ ቅነ፣ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ትሽዓተ ከባቢታት ናይቲ ዞባ ንዝነብሩ ተወላዶ ኦሮሞ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ‘ዩ ኣገንዚቡ።

እዚ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ብዕጡቓት ኦሮሞ ከምዝተኻየደ ዝተሓበረ መጥቃዕቲ፣ ሕነ ናይቲ ብዕጡቓት ኣምሓራ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ግዳያት ተወላዶ ኣምሓራ ምዃኖም መንግስቲ ኣየነጸረን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተጸሚዱ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ካልእ ክልላት፣ በብእዋኑ ንዝጓሃሀር ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ክገትእን ድሕነት ዜጋታቱ ከውሕስን ዘይምኽኣሉ ዝተፈላለዩ ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውን ውድባትን ይነቕፉ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0