ዕጡቓት ተቓወምቲ ኮርዶፋን፣ 109 ምሩዃት ኵናት መንግስቲ ሱዳን ናጻ ለቒቖም

Radio Erena: 07 March 2017

SPLM N

ዕጡቓት ተቓወምቲ ሰሜን ሱዳን፣ 109 ምሩኻት ኵናት ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ብሰንበት 5 መጋቢት ናጻ ከምዝለቐቑ ተሓቢሩ።

ነዚ ዘረጋገጸ ኣፈኛ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ብርጋደር ኣሕመድ ኸሊፋ ኣል ሻሚ፣ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ሱዳን ናይ ሰሜን፣ ነቲ ተበግሶ ምውሳዱ፣ እወታዊ ስጉምቲ ንሰላም’ዩ ክብል ንኢድዎ።

እቲ ኣብ ዞባ ኮርዶፋን ዝንቀሳቐስ ዕጡቓት ሓይሊ ሰሜን ሱዳን፣ ኣሲርዎም ዝጸንሐ 18 ሲቪል ሱዳናውያን’ውን ምስቶም ምሩዃት ኵናት ናጻ ፈንይዎም ኣሎ።

መብዛሕቶም እቶም ምሩዃት ኣብ ብሉ ናይልን ዞባ ኮርዶፋንን ምስ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ዝተታሕዙ’ዮም።

ንዞባታት ብሉ ናይልን ኮርዶፋንን ዝወከለ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ሱዳን ናይ ሰሜን (SPLM-N)፣ ካብቲ ንናጽነት ደቡብ ሱዳን ዝኣወጀ ናይ 2005 ውዕል ድሕሪ ምግላሉ፣ ዕጥቃዊ ቃልሱ ኣንጻር መንግስቲ ኣልበሽር ኣብ ምቕጻል ይርከብ።

ኣብ ሰነ 2016፣ መንግስቲ ሱዳን በይናዊ ምቁራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምትግባሩ፣ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ግጭታት ብተዛማዲ ሃዲኡ እኳ እንተሎ፣ ነባሪ ሰላምን ጸጥታን ከውሕስ ግና ኣይከኣለን።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0