ዕዳ፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ይውስኽ ምህላው ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ገሊጹ

ዕዳ፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ይውስኽ ምህላው ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ገሊጹ

Radio Erena: 09 May 2018

IMF

ኤርትራ ናይ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ በብግዜኡ ዝውህለል ዘሎ ዕዳ እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ብሰሉስ 8 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል ካብ ጋና፣ ከተማ ኣክራ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት፣ ኣብ መንጎ ኣታዊታተን ወጻኢታተን ዘሎ ጋግ እናዓበየ ብምምጽኡን በብግዚኡ ዝልቅሕኦ ዘላዋ ብዝሒ ገንዘብን፣ ኣብ ከቢድ ዕዳ ከምዘለዋ’ዩ ዘገንዝብ።

40 ሚእታዊት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኣሻቓሊ ናይ ዕዳ ኩነታት ከምዝርከባ ዘመልከተ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ብፍላይ ኤርትራ፣ ቻድ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሞዛምቢክ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ዚምባብዌን ብቀዳምነት ጠቒሱ።

ኢትዮጵያን ዛምብያን ከኣ ነዚ መስመር ‘ዚ ብምሕላፍ፣ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ መድረኽ ናይ ዕዳ ከምዝርከባ ኣተሓሳሲቡ።

እዘን ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብድኽነት ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስራዓ 10 ሃገራት ዓለም ‘የን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0