ዕንወት ከተማ ጣይዝ ይቕጽል

ዕንወት ከተማ ጣይዝ ይቕጽል

taizቅልውላው የመን ብምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታትን፣ ዕጡቓት የመናውያንን ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ናይ ዝወርድ ዘሎ መቕዘፍቲ ቁጽሪ እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ፣ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ከተማ ጣይዝ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ከቢድ ብረትን፣ መጥቃዕቲ ኣየርን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ 350 ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ወሪዱዎም ከምዘሎ፣ ሓካይም ብዘይዶብ ገሊጹ።

    እቲ በርጌሳዊ ማሕበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ሆስፒታላት ኩለን ስለዝተዓጽዋ፣ ህጹጽ ረዲኤት እትህብ ሓንቲ ሆስፒታል ጥራይ ተሪፋ ከምዘላ ሓቢሩ። እዚ ከኣ ዋሕዲ መድሃኒትን ካልእ ሕክምናዊ ቀረብን ስለዘኸተለ፣ ኣብታ ከተማ ሰብኣዊ ቅልውላው ወሪዱ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ኣብ ዝወንጨፉዎ ክልተ ሮኬታት ኣዴታትን ህጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 14 ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ከምዝሞቱ፣ ነበርቲ’ታ ከተማ ይገልጹ።

    ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓይሊ ብወገኑ ኣብ ከተማ ጣይዝ ብዓርቢ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ፣ 65 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና የመልክት።

    ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ከተማ ጣይዝ ብወግዒ ናይ ዕንወት ከተማ ኮይና ስለዘላ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ህጹጽ ተበግሶ ክወስድ መዘኻኸሪ ኣቕሪቡ።

    እቲ መንግስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ባይቶ ጸጥታን ባይቶ ሰብኣዊ መሰላትን ነዚ ኣብ ከተማ ጣይዝ ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ንምግታእ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ዝሓትት መጸዋዕታ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    ምስ መንግስቲ የመን ዝደናገጹ ሓይልታት ብሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እንዳተደገፉ፣ ንከተማ ዓደንን ገለ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ሰንዓን’ኳ እንተተቖጻጸሩ፣ እታ ሃገር ካብ ሰላምን ምርግጋእን ኣዝያ ርሒቓ ከምዘላ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0