ክልል ዓፈር ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ፍሕፍሐ ከምዘጋጠሞ ተገሊጹ

ክልል ዓፈር ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ፍሕፍሐ ከምዘጋጠሞ ተገሊጹ

Radio Erena: 16 September 2015

Afar region

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣባል እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ ዝኾነ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ዓፈር ፣ ኣብ መንጎ መራሕቱ ብዝተፈጥረ ዘይምቅዳው ናይቲ ክልል ምምሕዳር ክምስረት ከምዘይክኣለ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

ብመሰረት እታ ጋዜጣ ኣቕሪባቶ ዘላ ጸብጻብ፣ እቲ ዘይምርድዳእ ኣብ መንጎ’ቲ ንክልል ዓፈር ን20 ዓመታት ዘመሓደረ እስማዒል ዓሌ ሴሮን ኣቦ መንበር ናይቲ ናይ ዓፈር ሰልፊ ዘሎ ኣቶ ጠሃ መሓመድን’ዩ።

እዚ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ፖለቲከኛታት ዓፈር ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስልጣን ቁሩቁስ፣ ነቲ ኣባል ኢህወደግ ዝኾነ ሰልፊ ዓፈር ብኣሉታ ከምዝጸለወኦን፣ ኣባላቱ ኣብ ክልተ ተገማሚዖም ምህላዎም’ውን እቲ ማዕከን ዜና ይጠቕስ።

 

እዚ ኣብ ክልል ዓፈር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስህሓብ ንምፍታሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን እታ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣቐሪቦም እኳ እንተለዉ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ምላሽ ከምዘይትትተዋህቦም ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ብተወሳኺ ኣመልኪታ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0