ዓባይ ብሪጣንያ፣ ዝሓለፈ ዓመት ንኤርትራዊት መንእሰይ ዝቐተለ ውልቀሰብ፣ ን21 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 25 August 2022

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ዝሓለፈ ዓመት ንኤርትራዊት መንእሰይ ዝቐተለ ውልቀሰብ፣ ን21 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ።

እቲ ሓለፎም ወልደዮሃንስ ዝተባህለ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ፣ ካብቲ ብዕለት 31 ሓምለ 2021 ገበን ዝፈጸመሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ብሪጣንያ፣ በርሚንሃም ድሕሪ ምእታዋ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብዘሕዝን ኣገብብ ህይወታ ዝሓለፈት እታ ዮርዳኖስ ብርሃነ ዝተባህለት ጎርዞ፣ ህይወታ ንምቕያር ትጽዕርን ናይ ትምህርቲ ሕልምታት ከምዝነበራን፣ ቤተሰባን ፈለጥታን ይገልጹ።

ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ኤርትራውያን ማሕበረሰብ እንዳገነነ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት፣ ሓድ-ሕድ ምቅታል፣ ንቡር ተርእዮ እንዳኾነ ምምጽኡ፣ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ብሓዘን ይገልጹ።

ዮርዳኖስ ብርሃነ ኣብ ገዝኣ ብካራ ተወጊኣ ምስ ወደቐት፣ ጎረባብታ ናብ ፖሊስ ብምድዋል ረዲኤት እኳ እንተሓተቱ፣ ደማ ወዲኣ ኣብ ቦታ ገበን ከምዝዓረፈት ኣብ ግዚኡ ኣብ ማዕከናት ዜና ተቓሊሑ ኔሩ።

ቤት ፍርዲ በርሚንሃም፣ ንሓለፎም ወልደዮሃንስ ን21 ዓመት ክእሰር ፍርዲ ድሕሪ ምሃቡ፣ ሓዋ ንዮርዳኖስ፣ ገዛኢ ብርሃነ ‘ንሰባት ክሕግዝ በሃሊት፣ ዓቢ ሕልሚ ዝነበራን ጻዕረኛን ሓፍትና እዩ ወሲዱልና። እቲ ፍርዲ ውሒዱዎ ከማን’ ድሕሪ ምባል፣ ብሓይሊ ክትፈትዎ ንዘገደዳ ጓለንስተይቲ ስለዝኣበየቶ ጥራይ ህይወታ ክወስድ ዘይንቡር ጭካነ’ዩ ክብል ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

ዮርዳኖስ፣ ናብ ብሪጣንያ ክሳብ ዝበጽሓትሉ እዋን፣ መሪርን ኣዋርሕ ዝወሰደን ጉዕዞ፣ ሱዳን፣ ሊብያ፣ ማእከላይ ባሕሪን ኢጣልያን ሰጊራ እያ ድሕሪ ነዊሕ ከርተት ንቡር ህይወታ ክትመርሕ ጀሚራ ኔራ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0