ምስ ኮሮና ቫይረስ ብዝተኣሳሰር፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ብዉሑዱ 127 ጋዜጠኛታት ሞይቶም

Radio Erena: 07 June 2020

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ከስፋሕፍሕ ካብ ዝጀመረሉ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ብዉሑዱ 127 ጋዜጠኛታት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ጀኔቫ ዝመደበሩ ፕረስ ኤምብለም ካምፐይን ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሰራሕተኛታት ሜድያ ብዛዕባ’ቲ ለበዳ ንህዝቢ ኣብ ምሕባር ኣብ ቅድመ ግምባር ተሰሊፎም ምጽንሖም ብምዝኽኻር፣ በዚ ድማ ቀዳሞት ግዳያት ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብውሑዱ 12 ጋዜጠኛታት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፣ ደቡብ ኣመሪካ 62 ጋዜጠኛታት ብምስኣን ዝለዓለ ቁጽሪ ዘመዝገበት ኣህጉር እያ።

ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ’ቲ ሕማም ሪፖርት ከይገብሩ ብምፍርራህን ብምእሳርን፣ ሓበሬታ ከይወጽእ ክዕፍኑ ከምዝተራእዩ ተጣበቕቲ መሰል ጋዜጠኛታት ስምዕታ ከቕርቡ ጸኒሖም’ዮም።

መለኽቲ ስርዓታት ኣብ ዘለወን ሃገራት ህዝቢ ኣብ ገገዝኡ ተወሺቡሉ ኣብ ዘሎ እዋን ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፣ ስዉር ግፍዕታት ክፍጸም ጸኒሑ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0