ዓለም-ለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል ፈላሚ ጉባኤ ኣካይዱ ደምዳሚ ኣዋጅ ድማ ኣውጺኡ

Radio Erena: 04 August 2021

ዓለም-ለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል(Global Yiakl) ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 01 ነሓሰ 2021 ፈላሚን መስራትን ጉባኤ ድሕሪ ምክያድ፣ 13 ዝኣባላታ ኣካያዲት ስራሕ መሪጹ ደምዳሚ ኣዋጅ ድማ ኣውጺኡ።

ዓለም-ለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል፣ እቲ ‘ሳቮያ ንድሕነት ሃገር’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብኢንተርኔት ብመገዲ ዙም ዘካየዶ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼባኡ፣ ካብ 11 ሃገራት ማለት ካብ ካናዳ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ስዊዘርላንድ፡ ጀርመን፡ ዴንማርክ፡ ሽወደን፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣውስትራልያን እተወከሉ ኣባላት ባይቶ ተረኾቦም ኔሮም።

ኣብዘን 11 ሃገራት ዝቕመጡ ኤርትራውያን፣ ኣቐዲሞም ኣኣብ ሃገገራቶም ባይቶታት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ኮይኖም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ዓለም-ለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል ተጠርኒፎም፣ ንቃልሲ ኣንጻር እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንምቅላስ ዝተበገሱ እዮም።

ዓለም-ለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ኣብ ጉባኤኡ ንኣቶ ወሰንሰገድ ሓጎስ ኣቦ ወንበር ምንቅስቓስ፣ ንሓሚድ ሳሊም ድማ ምክትል ኣቦ ወንበር ክኾኑ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ።

ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ተቐማጢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ፈይስቡክ ብዝገበሮ ብድሆ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝጀመረ ኮይኑ፡ ሓያሎ ኤርትራውያን’ውን ነቲ ብድሆ ብምቕባል ነቲ ምንቅስቓስ ከደንፍዑ ቃል ኣትዮም እዮም።

ዓለም-ለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል ድሕሪ ጉባኤኡ ኣብ ዘውጸኦ ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘለ ደምዳሚ ኣዋጅ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መደያ ኣሕይሉ ክሰርሕ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቀረባ ክከታተል፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ምዕሩይ፣ ሕጋውን ስትራተጂካውን ዝምድና ከምዝምስርትን ኣፍሊጡ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0