ዕሙር ንግዳዊ ምልልስ ኣብ ዝካየደሉ መስመር ካምፓላ- ጁባ፣ መጥቃዕቲ ተኻይዱ

ዕሙር ንግዳዊ ምልልስ ኣብ ዝካየደሉ መስመር ካምፓላ- ጁባ፣ መጥቃዕቲ ተኻይዱ

Radio Erena: 08 July 2015

Nimule

መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፣ ኣብ ዶብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳን ኣብ እትርከብ ከተማ ኒሙለ ሰለስተ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ኣቓጺሎም።

ነጋዶ ብብዝሒ ኣብ ዝመላለስሉ ዕምር መስመር ጁባ – ካምፓላ ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ሓደ ኣባል ፖሊስ’ውን ከምዝቖሰለ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ካብ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ብዝተፈንጨለ ኣዛዚ ሰራዊት ዝምርሑ ዕጡቓት ፈጺሞሞ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ የመልክት።

 

ካብን ናብን ጁባ ካምፓላ ኣብ ዘራኽብ መስመር ኒሙለ፣ መዓልታዊ ኣማኢት ናይ ጽዕነትን ናይ ህዝብን መካይን ዝመላለሳ ኮይነን፣ ሓያሎ ካብ ተሳፈርቲ፣ ኣውቲስታን በዚ መመስመር ዝመላለሱን ነጋዶን ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዃኖም ይንገር።

==========================================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0