ው.ሕ.ሃ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እትምርምር ኮሚሽን ኣቝሙ

ው.ሕ.ሃ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እትምርምር ኮሚሽን ኣቝሙ

Radio Erena: 27 June, 2014

UN HR

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እትምርምር ኮሚሽን ክትቐውም ወሲኑ።

እታ ኮሚሽን ሰለስተ ኣባላት ዘለውዋ ኮይና፣ ኣብ ኤርትራ ንዝፍጸም ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንኸተጻሪ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ክህልዋ’ዩ።

ሓንቲ ካብ ሰለስተ ኣባላት እዛ ሓዳስ ቆይማ ኮሚሽን፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከተጽንዕ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲማ ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩር’ዩ።

ሸይላ ኪታሩት፣ መጽናዕታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከይተካይድ መንግስቲ ኤርትራ ስለዝኸልከላ፣ ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ካልኦት ካብ ጎረባብቲ ሃገራትን ብዝኣከበቶ ሓበሬታ’ያ ጸብጻባ ኣቐሪባ።

ኤርትራ ብፍላይ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሃገራዊ ድሕነትን ምስ ባርነት ክጽብጸብ ዝኽእል ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝፍጽማ ዘለዋ ሃገራት’ያ ክብላ’የን ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጻ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት እተጻሪ ኮሚሽን ከቕውም ኣብ ታሪኹ፣ ድሕሪ ናይ ሰሜን ኮርያን ሶርያን እዚ ናይ ኤርትራ ንሳልሳይ ግዜኡ’ዩ።

እቲ ውድብ፣ ነዛ ንሓደ ዓመት እትጸንሕ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እትምርምር ኮሚሽን ክትቐውም ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ብኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጄኔቫ ብዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ጎስጓስን ሰለማዊ ሰልፍታት’ዩ።

እዛ ኣብ መበል 26 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጄኔቫ ዝቖመት ኮሚሽን፣ ኣብ ዝቕጽል መበል 27ን ከምኡ ድማ 28 ዋዕላ ናይቲ ባይቶ ጸብጻባ ከተቕርብ ትጽቢት ይግበር።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0