ው.ሕ.ሃ. ብነፈርቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደብዳብ ኮኒኑ

Radio Erena: 02 October 2022

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፤ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደብዳብ ከምዘጉሃዮ ገሊጹ።

ኣፈኛ’ቲ ዋና ጸሓፊ ስተቨን ዱጃሪክ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ እቲ ደብዳብ ብሓፈሽኡ ከኣ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ጉድኣት ካብ ምውራድ ሓሊፉ፤ ሰላማዊ መፍትሒ ከምጽእ ከምዘይክእል ክልቲኦም ወገናት ብኣግኡ ክርድኡ ይግባእ ኢሉ።

እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ብሓይሊ ኣየር ኤርትራ ተፈጺሙ ክብሉ ሰበስልጣን ሓይልታት ትግራይ እኳ እንተኸሰሱ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ናይቲ ደብዳብ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ’ዩ።

ስተቨን ዱጃሪክ፤ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተነቃፊን ኣንፈቱ ንምግማት ኣጸጋሚን እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ ብምባል፤ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ኩሎም ወገናት፤ ናይ ጽልእን ኲናትን እምበር ንሰላም ዝእንፍት የርእዩ ስለዘየለዉ፤ ድሕነት ኣብቲ ዞባ ናይ ዝርከብ ህዝቢ ከምዘሻቕሎ ገሊጹ።

ኲናት ዳግማይ ምቕጻሉ ረዲኤት ብግቡእ ከይባጻሕ ዕንቅፋት ፈጢሩ ከምዘሎ ዝገልጽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ዓቕሙን ኩነታትን ብዝፈቐዶ ንህዝቢ የከፋፍል ምህላዉ ገሊጹ። ከም ኣብነት ካብ ዕለት 15 ክሳብ 21 መስከረም፤ ንልዕሊ 775 ሽሕ ህዝቢ ረዲኤት ከምዝተዓደለ፤ እንተኾነ ግና 230 ሽሕ ካብኣቶም፤ ካብቲ ዝግባእ ንታሕቲ ሓገዝ ክህብ ከምዝተገደደ፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብ ክልላት ትግራይ፤ ዓፋርን ኣምሓራን ህጹጽ ረዲኤት ክገብር ዝጸንሐ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ምስ ኩነታት መደባቱ ብምቅይያር፤ ኣብ ህይወት ኣድሕን ተዋፊሩ ምህላዉ፤ ካብ ሓፈሻዊ ንረዲኤት ዝተመደበ ባጀት ገና 1.6 ቢልዮን ዶላር ጎዲሉዎ ምህላዉን ይገልጽ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0