ውድድር ጉያ ሻምፕዮን ዓለም ጁንየር፣ ኣብ ናይ 5 ሽሕ ሜትሮ፣ ክልተ ኤርትራውያን ካልኣይን ሳልሳይን ብምዃን ተኸታቲሎም ኣትዮም

Radio Erena: 02 August 2022

ኤርትራውያን ኣትሌታት መርሃዊ መብራህቱን ሃብቶም ሳሚኤልን ናብ ትማሊ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ካሊ ኮሎምብያ ኣብ ዘካየድዎ፡ 5 ሽሕ ሜትር ዝርሕቀቱ ውድድር ጉያ ሻምፕዮን ዓለም ጁንየር፡ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ተመራሪሖም ብምእታው ትርኑዕ ዓወት ኣመዝጊቦም።

ኣብ’ዚ ኣብ መኽፈቲ መዓልቲ ዝተሰላሰለ ቅድድም፡ ኢትዮጵያዊ ኣዲሱ ዪሁኔ ንውድድሩ ብ14 ደቓይቕ፡ 3 ካልኢታትን 5 ንኡስ ካልኢታትን ብምዕማም ቀዲሙ ሕንጻጽ ክረግጽ ከሎ፡ ተሸለምቲ ብሩር ከምኡ’ውን ነሓስ ሜዳልያ ዝኾኑ፡ መርሃዊን ሃብቶምን ከኣ፡ ብንኡስ ካልኢታት ጥራይ ተበሊጾም፡ እግሩ እግሩ ተኸቲሎሞ ኣትዮም።

መርሃዊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ስጳኛ ኣብ ዘአንገደቶ ውድድር ጉያ 5 ሽሕ ሜትር፡ ብ13 ደቓይቕን 4 ካልኢታትን ብምዝዛም ክብረወሰን ኤርትራ ዝበሓተ ክኸውን ከሎ፡ ሃብቶም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝገበሮ ውድድር፡ ብ27ደቓይቕን 20 ካልኢታትን ሃገራዊ ክብረወሰን 10 ሽሕ ሜትር ክሕዝ በቒዑ።

እዞም ደቂ 18 ዓመት ኣትሌታት፡ ፖሊስ ኦሪገን፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ “ብድሕሪ ፍጻመ ውድድር ሻምፕዮን ዓለም ተሰዊሮም።” ኢሉ፡ ኣብ መዝገብ ‘ደሃዮም ዝጠፍአ ሰባት’ ካብ ዘስፈሮም 5 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ እዮም።

ይኹን’ምበር፣ ገለ ካብቶም ተሰዊሮም ዝተባህሉ ኤርትራውያን ኣትለታት፣ ናብ ካልእ ውድድር ከምዝኸዱ ድሒሩ ክረጋገጽ ክኢሉ።

ውድድር ጉያ ሻምፕዮን ዓለም ጁንየር፡ ክሳብ ዝመጽእ ቀዳም 6 ነሓሰ ክቕጽል እዩ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0