ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተኻየደ በደል ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ እትምርምር ኣደ ወንበር መዚዙ

Radio Erena: 04 March 2022

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንከተጻርይ ዝተመዘዘት ጉጅለ ዝመርሑ ክኢላታት መሪጹ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት’ቲ ውድብ ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣቐዲማ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከም ኣኽባር ሕጊ ዝሰርሐት ፋቱ በንሱዳ (Fatou Bensouda) ነቲ ጉጅለ ክትመርሕ መዚዙዋ።

ብዘይካ’ታ ጋምብያዊት ኣኽባር ሕጊ፣ ካሪ ቤቲ ሙሩንጊ (Kaari Betty Murungi) ካብ ኬንያ፣ ከምኡ’ውን ስቲቨን ራትነር (Steven Ratner) ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ሰብ ሞያ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣካል’ቲ ጉጅለ ክኾኑ ተመዚዞም ኣለዉ።

ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ብኩሎም ወገናት ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት፣ ብበበይኖም ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም ጸብጻባት ክወሃበሉ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ እታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ፍልይቲ ጉጅለ፣ ኣብታ ሃገር መጽናዕቲ ብምክያድ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ኣብ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣፈናዊ ጸብጻባ ከተቕርብ ትጽቢት ተገይሩላ ኣሎ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 እዩ እታ መርማሪት ጉጅለ ክትቀውም ተሰማሚዑ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ነቲ መርመራ ባዕልና ከነካዪዶ ኢና’ ብምባል፣ ንንጥፈታት’ታ ጉጅለ ደው ኣቢሉዎ ጸኒሑ።

እዛ መርማሪት ጉጅለ ዕድመ ስልጣና ንሓደ ዓመት ክጸንሕ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተተረኺቡ ከኣ ንዝቕጽል ዓመት ክናዋሕ ከምዝኽእል፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ዚ ተዋሂቡዋ ዘሎ ዕማም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብኩሎም ብረት ዝሓዙ ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዘውረዱዎ ግፍዕታት ጭብጢ ኣብ ምእካብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ተፈጺሙ ዝበሃል ገበን ተሓተትቲ እውን ንምርቋሕ ምዃኑ ይግለጽ።

ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ልዕሊ 15 ኣዋርሕ ኣብ ዘቑጸረሉ፣ ብኩሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ፣ ክሳብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን፣ ገበናት ኲናትን ተፈጺሞም ዝብል ክስታት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0