ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ዝሳተፋ ሃገራት ንምጽራይ፣ ዝካየድ ግጥማት ብኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ክፍልም’ዩ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ሕጂ’ውን ዝዓበየ ብድሆኣ ህድማ ተጻወቲ’ዩ

ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ዝሳተፋ ሃገራት ንምጽራይ፣ ዝካየድ ግጥማት ብኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ክፍልም’ዩ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ሕጂ’ውን ዝዓበየ ብድሆኣ ህድማ ተጻወቲ’ዩ

Radio Erena: February 28, 2014

Eri foot

ካብ 17 ጥሪ ክሳብ 7 ለካቲት 2015 ኣብ ሞሮኮ ንዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ንዝሓልፋ ሃገራውያን ጋንታታት ናይ ምጽራይ ግጥም፣ ብኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ክፍልም ምዃኑ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ- ካፍ ኣፍሊጡ።

እቲ ፈላሚ ግጥም ኣብ 11 ሚያዝያ 2014 ዝካየድ ኮይኑ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ከተእንግዳ’ያ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ድማ ሃገራዊት ጋንታ ሞሪሸስ ናብ ሞሪታንያ ተጓዓዛ ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ቀዳማይ እግሪ ግጥማ ከተካይድ ምዃና እቲ ኮንፈደረሽን ገሊጹ።

 

ካልኣይ እግሪ ግጥም እዘን ሃገራት ኣብ 18 ሚዝያዝያ ኮይኑ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ደቡብ ሱዳን ክትጓዓዝ’ያ።

ብህድማ ተጻወቲ ዝኸበደ ዝተዳኸመት ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ኣብቲ ኣብ 18 ሚዝያዝያ ዝካየድ ካልኣይ እግሪ ግጥም፣ ከም ናይ ዝሓለፈ እዋናት ሕጂ’ውን እታ ጋንታ ከጋጥማ ካብ ዝኽእል ስዕረት ንላዕሊ፣ ህድማ ተጻወቲ ከየጋጥማ ተሰጊኡ ኣሎ።
======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0