ዋሕዲ ባጤራ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዚምባብዌ፣ ተማሃሮ ጤሌ-በጊዕ ክኸፍሉ ትሓትት

Radio Erena: 19 April 2017

Zima School

ሓድሽ ባጤራ ድሕሪ ዘተኣታተወት ዚምባብዌ፣ ዋሕዲ ኣብ ዕዳጋ ዝንቀሳቐስ ባጤራ ብኸቢድ ጸለዩ ብምህላዉ፣ ተማህሮ ዓመታዊ ክፍሊቶም ብጤሌ በጊዕ ክኸፍሉ ከምዝኽእሉ ሚኒስተር ትምህርቲ እታ ሃገር ላዛሩስ ዶኮራ ሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ፣ ዚምባብዌ መበል 37 ዓመት ናጽነታ ኣብ እትጽንብለሉ ዘላ ኣጋጣሚ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቶም ዝያዳ ብዋሕዲ ባጤራ ተጸልዮም ዘለዉ ስድራቤታት ንደቆም ጤሌበጊዕ እንተኸፊሎምሎም፣ በቶም ዓመታዊ ክፍሊቶም ጥረ ገንዘብ ክኸፍሉ ዝኽእሉ ተማሃሮ ክባጨወሎም ስለዝኽእል፣ ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብኣሉታ ክጸልዎ ይኽእል’ዩ ክብሉ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ነቲ ብሚኒስተር ትምህርቲ ዝቐረበ ሓሳብ ተቓዊሞሞ።

ብዛዕባ’ቲ ብሚኒስተር ትምህርቲ ንዝቐረበ ሓሳብ መብርሂ ዝሃበት ጸሓፊት ናይቲ ሚኒስተር ዶክተር ሲልቭያ ኡተተ ማሳንጎ ብወገና፣ እቶም ጤለ በጊዕ ክኸፍሉ ዝሕተቱ ተማሃሮ ደቂ ገጠር ጥራይ ምዃኖም ብምሕባር፣ እቶም ጥረ ገንዘብ ክኸፍሉ ዘይክእሉ ደቂ ኸተማ ዝኾኑ ተማህሮ ግና ብናይ ናጻ ናይ ጉልበት ስራሕ ከኸፍልዎ ከምዝክእሉ ኣረዲኣ።

እዚ ብሚኒስተሪ ትምህርቲ ዝቐረበ ሓሳብ ዓመታዊ ክፍሊት ተማሃሮ ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከም ቀልድን ዋዛን ይቐርብ ኣሎ።

ብሰንኪ ዝቕባበ፣ ባጤራኣ ካብ 2009 ኣትሒዙ ካብ ዕዳጋ ወጻኢ ዝኾነ ዚምባብዌ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሓት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓድሽ ባጤራ ከምዘተኣታተወት ይዝከር።

ነቲ ሓድሽ ባጤራ ካብ ተመሳሳሊ ዝቕባበ ንምድሓኑ፣ መንግስቲ ኣብ ዕዳጋ እኩል ገንዘብ ከምዘይህሉ እኳ እንተገበረ፣ ህዝቢ ንመዓልታዊ መነባብሩ ተጸጊሙ ከምዘሎ’ዩ ክሕበር ጸኒሑ።

እዚ ናይ መንግስቲ ዚምባብዌ ባጤራ ናይ ምቑጽጻር መስርሕ፣ ንቁጠባ እታ ሃገር ይኹን ንሓይሊ ዕዳዳ እቲ ባጤራ ከድሕቦ ከምዘይክእል ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0