ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ፣ ንናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ  ብፍርቂ ኣጉዲልዎ

ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ፣ ንናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ብፍርቂ ኣጉዲልዎ

Radio Erena: 18 Januray 2016

Bank

ኣብ ኤርትራ ተራእዩ ዘሎ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ፣ ንዕዳጋታት ናብ ትሕቱ ደረጃ ከምዝወርድ ጌርዎ ምህላዉ ተገሊጹ።

ባጤራ ናቕፋ ድሕሪ ምቕያሩ፣ ህዝቢ ዝነበሮ ብዝሒ ገንዘብ ከም ድላዩ ከንቐሳቕስ ብዘይምኽእሉ፣ ዋጋታት ኣቑሑን ሃለኽቲ ነገራት ብኣስታት ፍርቂ ክጎድል ይርአ ምህላዉ’ዮም ምንጭታት ካብ ኤትርት ዘመልክቱ።

እንተኾነ፣ እዚ ብሰንኪ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ ተራእዩ ዘሎ ምጉዳል ዋጋታት፣ ኣብ ቀጻሊ እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ክኢላታት ቁጠባ ዝተፈላለየ ትንተናታት ይህብሉ።

 

ዋሕዲ ናይቲ ኣብ ዑደት ዘሎ ባጤራ ናቕፋ ንዋጋ ኣቑሑን ሃለኽቲ ነገራትን ኣጕዲልዎ ጥራይ ዘይኮነ ብጸሎም ዕዳጋ ንዝግበር ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ’ውን ናብ ኣስታት ፍርቂ ኣውሪድዎ።

በዚ መንጽር፣ ቅድሚ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ንሓደ ዶላር ኣመሪካ ናብ ልዕሊ 50 ናቕፋ ደይቡዝነበረ መጠን ሸርፊ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ 24 ናቕፋ ወሪዱ ኣሎ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምቕያር ናቕፋ ተራእዩ ዘሎ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ፣ መንግስቲ ንፉውን ዋሕዚ ባጤራ ንምቁጽጻር ኮነ ኢሉ ዝገበሮ ምስ ምዃኑ፣ ዋጋታት ኣቑሑን ሃለኽቲ ነገራትን ከምዝጎድል ጌሩ እኳ እንተሎ፣ ንመጻኢ ኣብ ቀረብን ጠለብን ምዝንባዕ ከይፈጥር ግና ስግኣት ኣሎ።

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት፣ ህዝቢ ክቕየር ኢሉ ካብ ዘረከቦ ገንዘብ፣ 10 ሽሕ ጥራይ’ዩ ኣብ ኢዱ ከምዝወሃብ ኮይኑ።

ንውራይን ካልእን ልዕሊ 10 ሽሕ ንዘድልዮ ውልቀሰብ ከኣ ምኽንያት ናይቲ ዘውጽኦ ገንዘብን ብመሰኻክር ኣረጋጊጹ ቅጥዒ መሊኡ ካብ ባንክ ክውጽእ ከምዝኽእል’ዩ ዝሕበር ዘሎ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0