ዋሕዚ ኤርትራዊ ናብ ኢትዮጵያ ንብዙሓት የሻቕል

ዋሕዚ ኤርትራዊ ናብ ኢትዮጵያ ንብዙሓት የሻቕል

Radio Erena: 20 September 2018

adi gratምስ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግር ዘሎ ኤርትራዊ፣ ኣብ ኣሻቓሊ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

       እዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ጉዕዞ፣ ብደረጃ ስድራቤት፣ ብጉጅለ፣ ተመሃሮን መማህራንን ከምኡ’ውን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑትን ዘጠቓለለ ምዃኑን፣ ብፍላይ ከተማታት መቐለን ዓዲ ግራትን ብብዝሒ ኤርትራውያን ገያሾ መሊኤን ከምዘለዋ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

       ኣብዚ ‘ዶባት ንዝተወሰነ እዋን ጥራይ’ዩ ተኸፊቱ’ ዝብል ጽንጽንታ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዝናፈሰሉ ዘሎ እዋን፣ ብፍኑው ዝግበር ዘሎ ጉዕዞ ንኢትዮጵያ፣ ሓያሎ ኣባላት ምኽልኻል እውን ይጽምበሩዎ ከምዘለዉ ይንገር።

 

       ኣብ ኢትዮጵያ ዓሌታዊ ግጭት ዘልዓሎ ዘይርጉእ ኩነታት፣ ካልኦት ሃገራት ዜጋታተን ናብታ ሃገር ከይገሹ፣ ድሮ ኣትዮም ዘለዉ ከኣ ምቅስቓሳቶም ክድርቱ መተሓሳሰቢ ኣብ ዝዝርጋሓሉ ዘለዋ እዋን፣ እዞም ኤርትራውያን ንውሕስነቶም ክሓስቡ፣ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ተተሓሳስቡ።

      ኣብ ኤርትራ ንዝርከባ ሓያሎ ስድራቤታት ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ዝዓበየ ጉዳይ፣ ኢትዮጵያውያን መራሕቲ ዓበይቲ መካይንን ናይ ህዝቢ መጎዓዝያን፣ ኤርትራ በጺሖም ክምለሱ እንከለዉ፣ ተማልኡና ንዝበሉ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ብዘይኣላዪ ይማልኡ ስለዘለዉ ምዃኑ ምንጭታትና ብተወሳኺ የረድኡ።

        ተፈላልዮም ዝጸንሑ ስድራቤታትን መቕርብን ክራኸቡ ዓቢ ሩፍታ ዝፈጥር እኳ እንተኾነ፣ ኣብ’ዞም ብዘይኣላዪ ዝጎዓዙ ዘለዉ ህጻናት ግና ከቢድ ጉድኣት ከስዕብ ስለዝኽእል ናብ ኢትዮጵያ ዝጎዓዙ ወነንቲ መካዪን ጥንቃቐታት ክገብሩ፣ ኣብ ሓያሎ ኤርትራውያን ዘሎ ለበዋ ምዃኑ ይግለጽ።

       ብኸምዚ ዝኸዶ ዘሎ ናህሪ እንተቐጺሉ፣ ኤርትራ ህዝባ ዝራሕራሓ ሃገር ኮይና ባዶ ከይትተርፍ ዝብል ስክፍታ ኣብ ሓያሎ ኤርትራውያን ከምዘሎ ምንጭታትና ብተወሳኺ ይሕብሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0