ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ዘይንቡር ስለዝኾነ፣ ፕረዚደንትን ሚኒስተራትን ብወለንትኦም ካብ ስልጣን ክወርዱ ከገድዶም ኔርዎ ክትብል ሓንቲ ናይ ቤልጁም ጋዜጣ ጠቒሳ

ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ዘይንቡር ስለዝኾነ፣ ፕረዚደንትን ሚኒስተራትን ብወለንትኦም ካብ ስልጣን ክወርዱ ከገድዶም ኔርዎ ክትብል ሓንቲ ናይ ቤልጁም ጋዜጣ ጠቒሳ

Radio Erena: 08 August, 2014

De Standard

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ሓደ ካብ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ቤልጁም’ውን ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነን ሓምለን እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ከምዝመዝገበት ኣፍሊጣ።

‘ደ ስታንዳር’ ዝተባህለት ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋዜጣታት ቤልጁም ብ 6 ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጸብጻብ፣ ኣብዚ ወርሓት እዚ ዝተመዝገበ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ምሉእ’ቲ ዓመት ካብ ዝተመዝገበ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ከምዝዛይድ ኣመልኪታ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ኣስታት 5 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ዝጠቐሰት እታ ጋዜጣ፣ እዚ ዘይንቡር ኩነታት ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከሰንብዶምን ፕረዚደንትን ሚኒስተራት ድማ ብወለንትኦም ስልጣኖም ክሓድጉ ክደፋፍኦም ኔርዎ ክትብል ገሊጻ።

 

ጠንቂ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን፣ ምልኪ ዝወለዶ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኑ ሃገራት ኤውሮጳ ይኣምናሉ’የን።

ነርወይ፣ ሽወደንን ስዚዘርላንድን ኣቐዲመን ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከማርራ ከምዝጸንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኦኣለም ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ወጻእተኛታት እተእንግድ ሃገረ ፈረንሳን ቤልጁምን ብስደተኛታት ኤርትራ ክዛረባ ይስምዓ ኣለዋ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኢትዮጵያውያን’ውን ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብምምዝማዝ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ስለዝሓቱ ነቲ ብዝሒ ኣጋኒንዎ ይርከብ።
============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0