ወጥሪ ኬንያን ሶማልን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

ወጥሪ ኬንያን ሶማልን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

Radio Erena: 06 March 2019

ኬንያን ሶማልን ኣብ መንጎአን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሓኦ ተሳማሚዐን።

ብመንጎኝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተኻየደ ርክብ ፕረዚደንታት ኡሁሩ ኬንያታን መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆን፣ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከይዓረገ፣ ብሰላማዊ መንገዲን ብዘተን ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ፣ ካብ ኬንያ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማል ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፣ ርክብ ፕረዚደንታት ኬንያን ሶማልን ብቐንዱ ኣብቲ ንዋንነት ገማግም ባሕሪ ብዝምልከት ዝተፈጥረ ወጥሪ ዘተኮረ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፣ ክልቲኦም ወገናት ግርጭት ዘለዓዕል ዲፕሎማስያዊ ቁርቁስ ደው ብምባል ብቐጥታ ኣብ ዘተ ክኣትዉ ከምዝተሰማሙዑ ኣብሪሁ።

መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልን ብተወሳኺ ንጸጥታዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት እውን ከምዝዘተዩ ተሓቢሩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ሶማል ንዕቑር ሃብቲ ገማግም ባሕራ ብዝምልከት ኣብ ብሪጣንያ ንጨረታ ድሕሪ ምቕራባ እያ ኬንያ፣ እቲ ከባቢ ግዝኣታ ደኣምበር መሬት ሶማል ከምዘይኮነ ክሲ ዘቕረበት።

እዚ ዝመንቀሊኡ ናይ ይግበኣኒ’ዩ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ኣብ መንጎ ሰበስልጣናት ክልቲኤን ሃገራት ክረኣይ ጸኒሑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0